Saturday , May 4 2024

ሎቪን፡ ንጻዕርታት ዘይ-መንግስታውያን ትካላት ንኢዱ

ዘይመንግስታውያን ትካላት ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ብፍላይ ኣረጋውያን ንምሕጋዝ ዝገበራኦ ሓገዛት ኣመና ከም ዝመሰጦ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ኣብ ናይ ፌስቡክ ውልቃዊ ሒሳቡ ገሊጹ።

ዝተመዛበሉ ሰባት፡ ውጹዓት ቆልዑን ብቛንቋ ሽወደን ሓበሬታ ክወስዱ ዘሸግሮም ሰባት፡ ካብዘን ወለንታውያን ትካላት ሓገዝ ምርካቦም ድማ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ምምሕዳራት ከተማ ንኹሎም ብኮሮና ዝተጠቕዑ ሰባት ሓገዝ ከበርክታ ስለዘይክእላ ኩለን ዓይነታት ማሕበራት ዝገብረኦ ሓገዛት ኣዝዩ ዝምስገን እዩ ክብል ሞጒሱ።  በዚ ድማ መንግስቲ ምስ ሰልፊ ማእከላይን ሊበራላውያንን ኮይኑ ነዘን ማሕበራት፡ ውጹዓት ኣብ ምሕጋዝ መታን ክነጥፋ፡ ዝግባእ ደገፍ ጌሩለን። ካብዘን ሓገዛት ዝረኸባ ትካላት ሓደ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ቤተክርስትያንን ሲቪላዊ ሚስዮንን ሽወደን ክጥቀሳ ይኽእላ። ብተወሳኺ ህጻናት ኣብ ምክንኻን ዝነጥፋ ትካላት እውን ተመሳሳሊ ሓገዛት ረኺበን ኣለዋ ክብል ሎቪን ገሊጹ።

ማሕበራዊ ምፍንታት ኣብ ሽማግለታት ዘስዓቦ ስምብራት ቀሊል ከም ዘይኮነ ብምምልካት ነዚ ምፍልላይ ንምውጋድ ኣብ ዝተገብረ ጻዕሪ መንግስቲ ሓገዙ ምውፋዩ ድማ ተገሊጹ።

መንግስቲ ዝለዓለ ጸጋጋት ዘለዎ እኳ እንተኾነ ኣብ ከምዚ እዋናት ተራ ዘይመንግስታውያን ትካላት ኣዝዩ ዓብዪ እዩ፡ ድሕሪ ምባል፡ እዘን ትካላት ኣብዚ እዋን ጽድያ እውን ሓገዘን ክድለ ምዃኑ ጻውዒት ኣቕሪቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com