Thursday , May 2 2024

ሎቬን፡ እዚ ዘለናዩ ግዜ፡ ናይ ምዝናይ እዋን ኣይኮነን ይብል

መንግስቲ ሽወደን፡ ንመምርሒታትን ቀይድታትን ኮሮና፡ ከፍኩሶም ኣብ ዘይክእል እዋን እዩ ዘሎ። ኣብ ኣሰካፊ ዝኾነ ኩነታት ኢና ዘለና። ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝኣትዉ ዘለዉ ሕሙማት፡ ቁጽሮም፡ እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ እቶም ዝመጹና መዓልታዊ ጸብጻባት ይሕብሩና ኣለዉ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ድሕሪ ካብ በዓል መዚ ጥዕና ዝረኽቦ ሓበሬታ፡ ንህዝባዊ ምትእኽኻብ ብዝምልከት፡ ዕለት 03 ግንቦት፡ ሓበሬታ ከመሓላልፍ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብያተ ምግብታት፡ ድዃናትን ጂምናዝየማትን ንተወሳኺ ግዜ፡ በቲ ዘሎ፡ ግዝያዊ መምርሒታት ኮሮና፡ ተቐይደን ክቕጽላ ምዃነን ተፈሊጡ።

በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ንቐጻልነት ግዝያዊ መምርሒታት ኮሮና ብዝምልከት፡ ውሳኔ ክህብ ምዃኑን ክሳብ ሽዑ ድማ፡ ኣብያተ መግብታትን እንዳ ሻሂታትን፡ ሰዓት 20፡30 ክዓጽዋ ከምዝግባእ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝህባ ትካላት ተፈጢሩ ዘሎ ጸቕጢ ምስ ጎደለ፡ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ምስ ነከየ፡ ሽዑ ጥራይ እዩ መንግስቲ፡ ንቐይድታት ኮሮና ንምፍኳስ፡ ቀዳማይ ስጉምቲ ክወስድ ዝኽእል  ክብል ዘረብኡ ደምዲሙ።

እዚ ጸኒዑ ዘሎ፡ ግዝያዊ መምርሒታት ኮሮና፡ ክሳብ ዕለት 17 ግንቦት ክጸንሕ ከምዝኽእል፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com