Thursday , May 2 2024

ሓላፊ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንተሪር ዝኾነ ፖሊሲ ስደተኛታት ሽወደን ነቒፉ

ሓላፊ ኮሚሽን ስደተኛታት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR )፡ ፊሊፖ ግራንዲ፡ ነቲ መንግስቲ ሽወደን ንጉዳይ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ጀሚርዎ ዘሎ ዘተ ከምዘሻቐሎን ንእተሓሕዛ ጉድያት ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ድማ ነቐፌታ ከምዘለዎን ገሊጹ።

ግራንዲ፡ ካብቲ ኣብ ጀኔቫ፡ ስዊዘርላንድ፡ ዝርከብ ቤትጽሕፈቱ ንሽወደናዊ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ሽወደን ክትክተሎ ትሓስብ ዘላ ኣካይዳ ሓደገኛ ምዃኑን ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ድማ ተረርቲ ሕግታት ክፎኽስሉ ዝግባእ እዋን እዩ ምባሉን ተፈሊጡ።

ሃብታማት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ፖሊሲአን ምምሕያሸን ዝጠቐሰ ግራንዲ እንተኾነ ግና ሽወደን እትወስዶም ዘላ ስጉምታትን ከስዕብዎ ዝኽእሉ ጽልዋታትን ከም ዘሻቐሎ ሓቢሩ’ሎ።፡

ሽወደን ኣብ ዝበጻሓሉ ግዜ፡ ግራንዲ፡ ንኣተሓሕዛ ጥርዓናት ሕቶ ዑቕባ ነቒፉ ነይሩ። ንኣብነት፡ ዓሚ ዝነበሩ ብዝሒ ጥርዓናት ሓተትቲ ዑቕባ፡ ብፍርቂ ናይቲ መልሲ ንኽረኽቡ ዝወሰደሎም ግዜ ክዕመሙ ዝኽእሉ እዮም ነይሮም ይብል።

ሰልፊታት ሽወደን ብዛዕባ ፖሊሲ ስደተኛታት ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ክትዕ፡ ብዙሓት ኣገደስቲ ነጥብታት ዘትርር እዩ ዝመስል ዘሎ። ሓደ ካብቶም ነጥብታት ድማ ጉዳይ ግዜያዊ መንበሪ ፍቓድ እዩ። ብመሰረቱ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ፡ ንስደተኛታት ምስ ከባቢኦምን ምስ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ንኽወሃሃዱ ዘየተባብዕ ኣገባብ እዩ። ብግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ዝጸንሑ ሰባት ብኸመይ ኣገባብ እዮም እቲ ናይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ረቛሒታት ከማልኡ ዝኽእሉ። ስለዚ መንግስቲ ሽወደን በዚ ተሓሲቡ ዘሎ መንገዲ ንኸይቅጽል ተስፋ እገብር ክብል፡ ግራንዲ፡ ስክፍትኡ ገሊጹ።

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ቋንቋ ሽወደን ምፍላጥን ምስ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ምውህሃድን ግዴታ ክማልኡ ዝግበኦም ረቛሒታት ተባሂሎም ኣብቲ ዘተ ክቐርቡ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ግራንዲ ን 35 ዓመታት ኣብ ጉዳያት ስደተኛታት ከም ዝሰርሐን ኣብ ዘመን ስርሑ ድማ ካብ ጃምላዊ ህልቂት ሩዋንዳ ክሳብ ኣብ 1990 ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ሃገራት ባልካን ናይ ምርኣይ ዕድል ከም ዘጋጠሞ ይገልጽ።

ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ ኣብ ስርሐይ ብዙሕ መቕተልትን ሞትን ርእየ እየ: እቲ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዘሕዝነኒ ግና ንሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታት ጉስዮም ንፖለቲካዊ ረብሓታት ከቐድሙ ክርእይ እንከለኹ እዩ ድማ ይብል።

ከም ኣውሮፓዊ ዜጋ ኮይነ ንመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኤስያ፡ ማእከላይ ምብራቕን ላቲን ኣሜሪካን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ፖለቲካዊ ውሳነታት ክወስዱ ኣብ ምእማን እንክፍትን ሕፍረት እዩ ዝስማዓኒ ይብል ግራንዲ።

ሃገራት ኣውሮጳ ዶባት ዓጽየን ተረርቲ ሕግታት ሕቶ ዑቕባ ከመሓላልፋ እንተ ጀሚረን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ስደተኛታት ምዝራብ ኣብኡ ከብቅዕ እዩ ይብል።

ከም በዓል ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያን ሕጂ ድማ ኣውሮፓ ዝመሰላ ሃብታማት ሃገራት ዶባተን ዓጽየን እንከለዋ እተን ዝደኸማ ሃገራት ብዛዕባ ስደተኛታት ከዕዘምዝማ እንከለዋ ዝምልሶ እዩ ዝጠፍኣኒ። እተን ኣርኣያ ክኾና ዝግበአን ሃብታማት ሃገራት ናይ ሕማቕ ኣብነት ኣርኣያ ብምዃነን እዚ ድማ ሕማቕ ሳዕቤናት ከኸትል ባህርያዊ እዩ” ድማ ኢሉ።

ንጉዳይ ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ መንጐ ሶሻል ዴሞክራትን ዓቓውያንን ዘለዉ ፍልልያት፡ ሓደ፡ ሕቶ ምጥርናፍ ስድራ ቤት እዩ።

ካብ ዓመተ 2016 ጀሚሩ፡ ጉዳያት ኢሚግሬሽን ሽወደን እናተረሩ ዝመጹ ዘለዉ ምዃኖም ግራንዲ ኣዘኻኺሩ። ብመሰረት ጸብጻብ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል፡ ምጥርናፍ ስድራ ቤት ስደተኛታት ኣብ ሽወደን፡ ሓደ ካብተን ዝኸበዳ ሃገራት ኤውሮፓ ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እዚ ይኹን እምበር፡ ግራንዲ፡ ነቲ ሽወደን ኣብ ጒዳይ ስደተኛታት ዝገበረቶ ኣዝዩ ዝነኣድ ስራሕ እውን ከይነኣዶ ኣይሓለፈን። ” ኣብ መላእ ስርሐይ ምስናይ ገለ ሽግራቱ ከም ሽወደን ጌሩ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝሰርሓሉ ሃገር ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ዝከኣል ኣይኮነን። በዚ ድማ ክትምስገን ዝግባኣ እዩ ይብል።

ግራንዲ ካብ 2016 ጀሚሩ ሓላፍነት UNHCR ምሓዙ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com