Thursday , May 2 2024

ሓምላይ ሰልፊ ሓድሽ መራሒ መሪጹ፡፡

Credit: Christine Olsson/TT, Utrikespolitiska institutet

ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ኦረብሮ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰልፊ፡ ሓምላይ ሰልፊ ንዳንኤል ሄልደን ሓድሽ ሓባራዊ መራሒኡ ገይሩ መሪጽዎ። ንመወዳድርቱ ማግኑስ ፒ ዋህሊን ብሓንቲ ድምጺ ጥራይ ( 131 ን 130) ብምርታዕ እዩ ተመሪጹ ዘሎ ። ዳኒኤል ሄልዴን፡ እቲ ሰልፊ ብዝያዳ ብግልጺ ኣብ ፖሊሲታት ክሊማን ከባብን ከተኩር ከምዝደሊ ይገልጽ። እቲ ውዑይ ናይ መሪሕነት ጎስጓስ፡ ከምኡ’ውን ምቅርራብ ናይቲ ድምጺ ኣብ ግምት ብምእታው፥ እቲ ሰልፊ ዝህቦ ስልጣን ‘ከምቲ ን ዝኾነ ሓድሽ ዝተመርጸ መራሒ ዝወሃብ ድኹም’ ክኸውን እዩ ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሶደርቶርን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ ኒኮላስ ኣይሎት ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com