Saturday , May 4 2024

ሓምላይ ሰልፊ ሽወደን ንመርገጺ ሕሉፋት የማናዉያን ይቃወም።

ኣብ ሽወደን ዘሎዉ የማናዉያን ሰልፍታት ክርስትያናዊ ደሞክራሲ፣ ሞደራት፣ ከምኡ እዉን ሽወደናዊ ደሞክራሲ፣ ፖሊስ ሽወደን ተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ምክትታል ገበንን ገበነኛታትን ተወሳኺ ስልጣን ናይ ምክትታል፣ ምፍታሽን ካልኦት ስጉምትታት ዝህብ ሕጊ ክህሉ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ገለ ገለ ዞባታትን ከባብን ፈሊኻ ናይ ምፍታሽ ስልጣን ክዋሃቦ ዝብል ርይቶ እቶም ሰልፍታት፣ ዓሌታዊ ኣድልዎ ዘሎዎ ጽያፍ ተግባር እዩ ክብል ሰልፊ ሓምላይ ኮኒንዎ ኣሎ። 

እዚ ኣብ መስመር ቴለቨዥን ካናል 4 ዝተገብረ ናይ መራሕቲ ሰልፍታት መድረኽ ክትዕ ካብ ዝተላዕሉ ብዙሓት ጉዳያት ምዃኖምን ፣ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መስከረም ኣብ ሽወደን ናይ ዝግበር ሃገራዊ ምርጫ ኣካል ከምዝኾነ ግልጋሎት ዜና ተተ ሓቢሩ። 

ኣብዚ ትማሊ ምሸት ዝተኻየደ ፖለቲካዊ ክትዕ ሰፊሕ ብዙሓት ሃገራዊን ሕብረተሰባዉን ጉዳያት ተላዒሎምን፣ ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ ዘሎዎም መደባትን ርይቶን ዘማሓላለፍሉ ናይ መጀመሪያ ክትዕ መራሕቲ ሰልፍታት ምዃኑ ይግለጽ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com