Saturday , May 4 2024

ሓቐኛ ዛንታ፣ዕድል ድዩ?

ሻድሻይን መወዳእታን ክፋል
ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“ምስ ዳዊት ከ ተፈላሊኹም ዶ?” ናብ ዳዊት ኣስገርኩዋ።
“ልዕለይ ዳዊት’ዩ ተጨኒቑ። እዚ ሕማም ብኸመይ መጺኡኪ እናበለ ስለ ዘጨነቐኒ ክርሕቆ’የ ወሲነ….”
“እሞ ተፈላሊኹም?”
“ከመይ ገይርና ክንፈላለ! ክልቴና ምኽኣል ስኢንና ሳዕሪ ኢና ጸሪና። ኣብ መወዳእታ ዘሕፍር ተግባረይ ከይተሰከፍኩነጊረዮ።”
“እንታይ ደኣ ኢሉ?” ግብረ-መልሲ ዳዊት ክፈልጥ ደለኹ።
“ናይ ዳዊት መልሲ’ሞ ዘሰብድ እዩ—” ነቲ ኣሰንባዲ ናይ መወዳእታ ዛንትኣ ክትጸውየኒ ጀመረት፡ እናሓደረ ዝገርም ዛንታ።
“ስቕ! በቃ ስቕ! ተዓኒዱ ስቕ ኢሉ። ኣብ መወዳእታ ምስ ዘይፈልጦ ሰብ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ከም ዘይነበረኒ ሓቢሩኒ። ይጋገ ዝብል ሓሳባት ስለዘይነበሮ ተግባረይ ምውሓጥ’ዩ ኣብዩዎ፡ ግና ኣይነጸለንን። ብሓንሳብ ድማ ቀጺልና….”
“ብፍቕሪ ማለት ድዩ?”
“ወረ ንመርዖ ኢሉ ለሚኑኒ። ዝፈጸምናዮ ሕጸ ንቐጽሎ እናበለ ከእምነኒ ፈቲኑ፡ ኣነ ግና ኣበደን ኢለ። በዚ ምኽንያት’የ ናይ መርዓ መደብ ከቋርጾ ወሲነ።”
“እቲ ሓቂ እዚ ትውስንዮ ዘለኺ ውሳነ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ብጻዩ ሓልዮት ዘርኢ ሰብ’ዩ ሰብኣውነት ዘለዎ። ስለ’ዚ እዚ ናትኪ ስጉምቲ ከም መትከል ይኣምነሉ’የ። ምኽንያቱ ንሱ ነጻ’ዩ፡ ንስኺ ድማ ተሰካሚት ኢኺ፡” በልክዋ።
“ከተማኽረኒ ኢለ’የ ዛንታይ ዘዕልለካ ዘለኹ ህይወተይ ኣብ ቀራና መንገዲ’ዩ ዘሎ። ዳዊት ንመርዖ ይብለኒ ኣሎ፡
ኣነ ግን ኣይደለኹን።”
“ኣነ ከም ዝመስለኒ እቲ ፍታሕ ምፍልላይ ጥራይ’ዩ።”
“ምስማዕ እንድዩ’ሞ ኣብዩኒ። ክኸውን ከም ዘይክእል ተደጋጋሚ ሓቢረዮ’የ። ከም’ቲ ዓንተቦይ ዝነገርኩካ ዋላ’ኳ ምፍልላይ ዝኸብደኒ እንተኾነ፡ እቲ ስጉምቲ ግና ክወስዶ’የ። ክገርመካ ምስኡ ክቐርብ ከለኹ ከም’ዚ ገለ ነገር ዝጎደለኒ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ። ብሓጺሩ ኮንፊደንስ የጥፍእ።”
“ክሳብ ክንድኡ ነብሰ ምትሓት ክስምዓኪ የብሉን። ኣብ ዓለም ሕማም ዘየጋጥሞ ሰብ የለን። ንዓኺ ወሪዱኪ ዘሎ ሕማም ድማ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ተራ ሕማም’ዩ ኮይኑ ዘሎ። ጥራይ ብኸመይ ቅስንቲ ኮይንኪ ህይወትኪ ትመርሒ ሕሰቢ፡” ምኽረይ ለገስክኩላ።
“በቃ ምስ ሓያል ፍቕረይ እንከለኹ ተፈላለዩ’ዩ ምኽርኻ። ኣነ ድማ ምስ ሓሳብካ ተሰማሚዐ ኣለኹ።”
“ምስ ከማኺ ክትምርዓውን ጥዑይ ቆልዓን ክትወልድን ትኽእሊ ኢኺ?” ሓሳበይ ገለጽኩላ።
“ክገርመካ ኣብ’ቲ ፈለማ፡ እዚ ሕማም ከም ዘለኒ ምስ ተነገርኩ፡ መታን እቲ መርዓ ከይብተን ኢለ፡ ምስ ካልእ ሰብ ክምርዖ ሓሳብ ነይሩኒ። ግና ንዳዊት ምስ ኣካፈልኩዎ ክሰምዓኒ ኣይክኣለን….”

“ንምንታይ ኣብ ህይወትኪ ይውስን? ብርግጽ ንሱ’ኸ ነጻ ድዩ?”
“ንሱ’ስ ጸገም የብሉን። ብዙሕ ከም ዘይዞረ ነቶም ሓንቲ ጌጋ ዝፈጸምና እዚ ሕማም ክረኽበና ይገርም’ዩ።”
“ይጥንቀቕ ነይሩ ይኸውን። እዚ ሕማም’ኳ ምስ ጥንቃቐ ዝተኣሳሰር’ዩ። ኣብ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ጌጋ ድማ ከጋጥም ይኽእል’ዩ።”
“በስ ዕድል’ዩ!”
“ከምኡ ኣይትበሊ! ብዝሓለፈ ምጥዓስ ነውሪ’ዩ። ብዝኾነ ምስ ካልእ ከማኺ ወዲ ክትምርዓዊ ከም ዝሓሰብኪ ነጊርክንን ዳዊት ከም ተቓወምኪን ነጊርክኒ… ብድሕሪኡ እንታይ ገበርኪ?”
“ኣብ ማሕበር ብድሆ ከማይ ተሰካሚ ረኺበ።”
“ተመርዒኺ ደሞ?” ተርባጸይ ክቆጻጸር ኣይከኣልኩን።
“እንተንምርዖ’ሞ እዚ ኩሉ ዘረባ ኣይመድለየን። ምስ’ቲ ክምርዓዎ ዝሓሰብኩ ሰብ ኣብ ማሕበር ብድሆ ኢና ተላሊና። ሓደ ሰለስተ መዓልቲ’ውን ሻሂ ሰቲና ኣለና። ጠባዩ ደሓን ይመስል ነይሩ፡ እንተኾነ ግና ኣይቀጸልናን።”
“ስለምንታይ?” ተገረምኩ።
“ከም’ቲ ዝበልኩኻ ጠባይ ምስኪን ደኣ ይኹን እምበር ኣተሕሳስባኡ ምሳይ ዝኸይድ ኣይኮነን። መስተ ከም ዝሰትይ’ውን ኣረጋጊጸ። መስተ ድማ ምስዚ ሕማም ከም ዘይከይድ ዘይፈልጥ የለን። በዚ ምኽንያት ኢና ተፈላሊና። እቲ ምፍልላይና ግና ንዓይ ቅሳነት’ዩ ከሊኡኒ ዘሎ።”
“ምስ ጠባይኪ ዘይከይድ እንተኾይኑ ግድን ኢኺ ክትርሕቅዮ። እዚ ቅሳነት ዝኸልእ ኣይኮነን።”
“ዳዊት እንድዩ መርዓ ንቐጽሎ እናበለ ኣሸጊሩኒ። ኣነ ኖእ ክብል ንሱ ንመርዖ ክብል ተረባሪብና። ሕጂ ግና ከም ዘይከውን ክነግሮ’የ።”
“ንሱ’ዩ እቱ ዝበለጸ ፍታሕ።”
“እዚ ትብዓት’የ ስኢነ ነይረ።”
“ኣቦኺ’ኸ ፈሊጦም ድዮም?”
“ኣይነገርኩዎን! ኣብ ርእሲ ሕማሙ ሕማም ክውስኸሉ!”
“ምስ ዳዊት ግና ሕጂ ተፈላለዩ።”
“ከም ዳዊት ግና ዝረክብ ኮይኑ ይስምዓኒ የለን። ምስኡ ዘሕለፍኩዎ ፍቕሪ፡ ናይ መጻኢ መደብና፡ ኣቦይ ኣባይ ዝነበሮ ራኢ፡ ኩሉ ብዘይ ፋይዳ ምትራፉ…..” ብጣዕሳ ተለለወት። “እቲ ዝገርመኒ ግና ዓለም ብዕጫ ትኸይድ ምዃና’ዩ።”
“ዓለም ብዕጫ ኣይትኸይድን’ያ? ንስኺ ጌጋ ስለዝፈጸምኪ’ዩ ብዙሕ ሕማቕ ኣጋጢሙኪ፡” ኣረምኩዋ።

ድሕሪ ዓሰርተ ወርሒ
ዝነበረኒ ናይ ቤት ጽሕፈት ስራሕ ንምስላጥ’የ ኣንጊሀ ንስራሕ ዝኸድኩ። ኣብ ስራሕ ብተደጋጋሚ ስመይ ክጽዋዕ ምስ ሰማዕኩ፡ ናብ ድሕሪት ቁሊሕ ምስ በልኩ ሰላም ናባይ ከተቋምት ተዓዘብኩዋ።
“ኣይኣምንን’የ!” መላእ ኣካላ እናተዓዘብኩ ጠመትኩዋ።
“ህይወት ከምኡ’ያ!”
“ከመይ ከመይ ድኣ’ዩ?” ነብሰ ጾር ኮይና ብምርኣየይ ዝሓተተኩዎ ሕቶ’ዩ።

“ኣብ ማሕበር ብድሆ ውዒለ ናብ ገዛ እናኸድኩ ከለኹ ሓደ ወዲ ይጽውዓኒ። ዳንኤል’ዩ ስሙ፡ ኣብ ሃይ ስኩል መማህርተይ ዝነበረ’ዩ። ሻሂ ከስትየኪ ምስ በለኒ ኣይተማታእኩን። ፈጣሪ ግርህነተይ ርእዩለይ ድማ ንዓይ ዝኸውን ሰብ ፈጢሩለይ።”
“ከመይ ማለትኪ’ዩ?” ከተብርሃለይ ደለኹ።
“ናብ ማሕበር ብድሆ ክመላለስ ምስ ተዓዘበኒ’ዩ ብዛዕባይ መጽናዕቲ ኣካይዱ ተሰካሚት ምዃነይ ፈሊጡ። ብድሕሪኡ ተኸታቲሉ ረኺቡኒ።”
“ንሱ’ኸ ተሰካሚ ድዩ?”
“እወ ዝገርም’ዩ ተተጸናኒዕናስ እነሆ’ኳ ጥንሲ ሒዘ።”
“ተመርዒኹም?”
“ተሓጺና ኢና ዘለና። መርዓና ምስ ጥምቀትና እዩ፡” ክምስ በለት። ገጻ ብሓጎስ ተኾሊዑ ርኣኹዎ። ትምክሓሉ መልክዓ ደሚቑ ተራእየኒ። “እነኹልካ ዝብህጎ ዝነበርኩ ውላድ ድሮ ተጠኒሱ ክሓርስ ሎሚ ጽባሕ እብል ኣለኹ። ህይወትና ናብ ሰናይ እንቕይሮ ባዕልና ምዃንና’ውን ፈሊጠ። ሓንቲ ሕቶ ክሓተካ’ሞ ክኸይድ…?” ርእሰይ ብእወታ ነቕነቕኩላ። “ኤች.ኣይ.ቪ ብናይ ሓንቲ መዓልቲ ጌጋይ’የ ኣምጺኤዮ፡ እዚ ሕማቕ ዕድል’ዶ ትብሎ?”
“ጌጋ ጌጋ’ዩ። ጌጋ ኣብ ህይወትና ባዕልና ኢና ንፈጥሮ። ዕድል ይኹን ዕጫ ዘምጽአ ኣይኮነን፡” ብምባል ተፋነኹዋ።

ተፈጸመ!


ኩቡራት ተኸታተልቲ ዝኾነ ርእይቶ ምስ ዝህልወኩም፡ ኣብ ኮመንት ከተስፍሩ ብትሕትና ይሓትት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com