Thursday , May 2 2024

ሓተትቲ ዕቚባ “ቅንዕና ዝመልኦ ህይወት” ክነብሩ ጻውዒት ቀሪቡ።

Credit: Fredrik Sandberg/TT

ኣመሓደርቲ ውድባትን እንተላይ ሰልፊ ደሞክራሲ ሽወደን ሓተትቲ ዑቕባን ካልኦት ወጻእተኛታትን ኣብ ሽወደን ናይ ምጽናሕ መሰሎም ብዝመርሕዎ ኣገባብ ህይወት ክሰን ከም ዝደልዩ ገሊጾም። ኣብ ሽወደን ዕቚባ ዝሃተቱ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዑቕባ ንኽወሃቦም ወይ መንበሪ ፍቓድ ንኽሕዙ “ቅንዕና ዝመልኦ ናብራ” ክመርሑ እዞም ሰልፍታት ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። ነዚ ዘማልእ ረቛሒታት እንታይ እንታይ እዩ ኣብ ዝብል ሕቶ ሓድሽ መንግስታዊ መርመራ ክግበር ምዃኑ ሬድዮ ሸወደን ወሲኻ ጸብጺባ’ላ። እዚ እናኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን ትማል ሰሉስ ኣብ ከተማ ዮተቦሪ ኣብ ዝርከብ ባር ክፉት ናይ ሕቶን መልስን መድረኽ እናካየደ እቲ ዝርርብ ኣብ ግጭት እስራኤልን ሓማስን ምስ በጽሐ ነገራት ኣዝዩ ረሲኑ ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ምዃኑ ተፈሊጡ። ደገፍቲ ፍልስጤም ዝኾኑ ሰልፈኛታት ነቲ ናይ ትማሊ መደብ ድሕሪ ምዝራጎም፡ ክሪስተርሾን ነቲ መስርሕ ብኣግኡ ከቋርጾ ተገዲዱ እዩ። ፖሊስ ካብቲ ቦታ ሸሞንተ ሰባት ክወጹ ምግባሮም ብተወሳኺ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com