Friday , May 3 2024
A couple prepare to receive a COVID-19 test at a testing station in Nelson Bay, Australia, (AP Photo/Mark Baker) XMB103

ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ሽማግለ፡ ናይ’ዚ ዓመት፡ ቀዳመይቲ ግዳይ ሞት ኮሮና ኮይና

ኣብ ክሊ ዕድመ 90ታት እትርከብ ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ኣብ ሲድኒ ምሟታ፡ ሰብመዚ ሓቢሮም።

ንሳ ስድራ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን እያ እዚ ሕማም ሓሊፍዋ። ትማል ሰንበት 77 ሓደስቲ ሕሙማት ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ከም እትረኽቡ ዝገለጸ ሓበሬታ ቢቢሲ፡ 52 ካብዚኣቶም ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ምህላዎምን 15 ድማ ብፍላይ ጽዑቕ ክንክን ይግበረሎም ምህላዉ ኣመልኪቱ። ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ከተማ ሲድኒ፡ ነቲ ደልታ ዝተባለ ጅር ኮሮና ኣብ ምቅላስ ምህላዋ ተገሊጹ’ሎ።

እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሞት መበል 57 ኮይኑ ኣብዚ ዓመት ድማ ቦዂሪ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ኣመሓዳሪት ኒው ሳውዝ ዌልስ፡ ግላዲስ በረጂክሊያን፡ ኣብዛ መዓልቲ ቊጽሪ ተለከፍቲ ክዛይድ እዩ ኢላ’ላ። ንሳ “ትሕቲ ሚእቲ ሰባት ተለኺፎም እንተኢሎምኒ ክገርመኒ እዩ” ክትብል ትማሊ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ። ጽባሕን ዝመጻ መዓልታትን ኣዝዩ ሕማቕ መልከፍቲ ዝረኣየለን ክኾና እየን ዝብል ፍርሂ ከም ዘለዋ እውን ኣይሓብአትን።

ኣብ ኣውስትራልያ፡ ሕማም ኮሮና ካብ ዝኽሰት፡ ልዕሊ 900 ሰባት ከም ዝሞቱን 31,000 ድማ በቲ ሕማም ከም እተለኽፉን ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com