Wednesday , May 1 2024

ሓንቲ ዓለም፡ ብኣማኑኤል ሳህለ

መግዛእቲ እንግሊዝ (The Queen’s Subjects)

ሚስተር ስሚዝ እዩ ስሙ። ግን ሚስተር ስኒዝ ኢዮም ዚብሉዎ ዝነበሩ ኣብ 40ታት ዝነበሩ ሰባት። ካኪ ጁባን ስረን ለቢሱ ኣብ ትሽትሹ ቀጣን በትሪ ይቓቕር። ሚስተር ስኒዝ ምስቶም ንኤርትራ “ናጻ” ከውጽኡ ብከረን ዝወሓዙ እንግሊዛውያን እዩ ናብ ኣስመራ ኣትዩ።

 

“ሃው ኣር ዩ ሚስተር ስኒዝ…………….?”

 

ሚስተር ስኒዝ ግን ዓሰርተ ሳዕ ሰላም ዚብሎ ሰብ ኣይፈቱን። ከም ጣልያን ተዛራባይ ኣይኮነን። ንጣልያን ከሳጉግን ንኣና ድማ ህውከት ኪፈጥረልናን እዩ ተዓጢቑ መጺኡ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ኣሕዋቱ ብጀነራል ዊንገት ተመሪሖም/ብጎጃም ገይሮም ኣትዮም ንሃይለ ስላሴ ነታ ጠንጢንዋ ዝኸደ ዙፋን ኣረኪቦምዎ።

 

ሃይለ ስላሰ ግን ከምዛ ባዕሉ ተዋጊኡ ንዓዱ ዝመለሳ ኪመስል ብዙሕ ፈቲኑ። ይኹንምበር፡ ንገሊኦም እኳ ከታልል እንተ ፈተነ ንኹሉ ግን ከዐሽው ኣይከኣለን። ንእንግሊዛውያን ንምሕጓስ ግን፡ ጀነራል ዊንገት ት/ቤት፡ ቸርቺል ጐደና ዚብሃል ናይ ትምህርትን ጐደናን ኣስማት ኣፍቂዱ።

 

ሚስተር ስኒዝ መግዛእታዊ ምምሕዳር ከሰላስል እዩ ናብ ኤርትራ ተላኢኹ። ፍርዱ ብፖለቲካ እተበረዘት እያ። ወይ ንሞት ወይ ንሕየት። ኣብ መንጎ ድማ መግናሕትን ማእሰርትን ነይሩዎ።

 

እንግሊዝ ናብ ኣስመራ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ከም ጣልያን ኣይደረፉን። ከም ኣሜርካውያን’ውን ማስቲካ ኣይደርበዩልናን። እትው ከይበሉ ነዛ ክሪኡና ጸልኡና። ሓቃቶም እዮም። ዝግዝኡዎም ዝነበሩ ኣህዛብ መዓስ ውሑዳት ነይሮም።

 

ባህልና ኣይሰሓቦም ታሪኽና ኣይገደሶም። ክልተ ሲሶ ዓለም ኣብ ኢዶም ስለ ዝነበረት፡ ምምሕዳር ዝሰልቸዎም እዮም ዚመስሉ ነይሮም። ባዕልኹም ተመሓደሩ ዚብል ሓሳብ ነይርዎም፡ ግን ንጣልያን ኣሕሊፎም ሂቦምና። ተንኰሎም መዳርግቲ ኣይነበሮን። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ሰሓቕን ገንዘብ ምውጻእን ኣዚዮም ነፋጋት ነበሩ። ናይ ጥርሑ ዲና ደኣ ናጽነት ኣምጺእናልኩም ብዝመስል ዓይነት መገዲ።

 

ምምሕዳሮም ወዲኦም ካብ ኤርትራ ኪወጹ ከለዉ፡ ነዛ ዓዲ ጓሕጕሖምዋ እዮም ከይዶም። ዘይከውን ኮይኑዎም እምበር ነቲ ጽርግያ’ውን ተሰኪሞምዎ ኪኸዱ ኣይምጸልኡን።

 

ዚለዓል ኣልዒሎም፡ ዚፍንቀል ፈንቂሎም ምስ ወድኡ፡ ነቲ ዝተረፈ ኣፈራሪሶምዎ። ገሊኡ ንፓኪስታን ዚሽየጥ፡ ገሊኡ ንህንዲ ወይ ንየመን ዚግዕዝ፡ ገሊኡ ናብ ባሕሪ ዚድርበ!

 

ኩፐር ዚብሃል እንግሊዝ ኣዛዝ ፖሊስ ነይሩ። ኩፐር ከም ወሓለ ሓናቕ ሰብ ህቡብ ነበረ። ብሰንኪ ፖሊሳዊ ምምሕዳር ኩፐር፡ ጥዑያትን ዘይጥዑያትን ሰብ ፖለቲካ ሰላም ስኢኖም ነበሩ። ከቢድ ገበን ዝፈጸመ (ብመሰረት ሕግን ፖለቲካን እንግሊዝ) ብገመድ ኣንጠልጢልካ ሸለው ምባል እዩ ነይሩ። እቲ ናይ ሞት ዓንቀጽ ቍጽሪ 104 ወይ ከኣ ብጣልያን ከም ቸንቶ ኳትሮ ዚፍለጥ ብምንባሩ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ገለ ሕልናኦም ዝዓረቦም ሰባት፤

 

ሰሪቕና ከይንበልዕ ካሳ ፎርተ (ካዝና ሓጺን) ኮይኑ’የ

ዘሚትና ከይበልዕ ቸንቶ ኳትሮ ኮይኑ’የ

ኢሎም ይደርፉ ነበሩ ይብሃል።

 

መርገም ግዲ ዘይስደድ ኮይኑ ግን፡ ኩፐር ንዓዱ ኪኸይድ ኣብ ምጽዋዕ ምስ በጽሐ፡ ብኮልፖ ዲ ሶለ (ወቕዒ) ኣብኣ ደኣ ተረፈ። ደም መዓስ ይሰድድ ኮይኑ ይብሉ ነበሩ ንኩፐር ብብዙሕ መገዲ ዝመዘኑዎ ደቅዓዲ።

 

ብግዜ እንግሊዝ ጥዑይ ትምህርቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኤርትራ ተኣታተወ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምፍላጥ ከም ሓደ ዓቢ ርእሰማል ይሕሰብ ነበረ። እንግሊዝ ኪፈልጥ ምሸተ ምሸት ህርድግ ዘይብል ሰብ ኣይነበረን። ግን ምስ ጣልያን ኪወዳደር ከሎ፡ እንግሊዝ ኣዚዩ ከቢድ ቋንቋ እዩ።

 

ዝኾነ ኮይኑ እንግሊዛውያን ምምሕዳሮም በቶም ዝሰዓሩዎም ጣልያን ገይሮም የካዪዱዎ ብምንባሮም፡ ቋንቋ ጣልያን’ውን ካብ እንግሊዝ ዚሰንፍ ክብርን ደረጃን ኣይነበሮን። ስለዚ ህዝብና ጣልያን ከጽንዕን፡ እንግሊዝ ኪመልኽን፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣምሓርኛ ክርዕምን ኣልባቡ ጠፊኡዎ ነበረ። ገሊኡ ነቲ ከየጽነዐ፡ ነቲ ከይተረደአ፡ ነቲ ከየጽረየ ጋን ኢሉዎ ዕድመኡ ሓሊፉ።

 

ኣብቲ ግዜ’ቲ ኢዩ ቀዳሞት መምህራን ኤርትራ ኪፈርዩ ዝኸኣሉ።

 

ህወር ኢዝ ዩር ፋዛ? (ኣበይ ኣሎ ኣቦኻ ማለት ኢዩ)። ማይ ማዛ ኢዝ ጉድ (ኣደይ ጽብቕቲ ኢያ ማለት’ዶ ኪኸውን ይኽእል?)። ዘ ዶንኪ ኢት ዘ ትሪ (እቲ ነዚ ዝበለ ሰብ ጓሳ ነይሩ ቀዳማይ ክፍሊ ዝጀመረ እዩ። ኣይተሓዘሉን እዩ። እታ ኣድጊ ኣብ ትሕቲ ገረብ ኮይና ሳዕሪ ትበልዕ ኣላ ማለቱ እዩ)።

 

ብግዜ እንግሊዝ ፋዛ፡ ማዛ፡ ብራዛ እዩ ዚብሃል ነይሩ። ይኹንምበር፡ ብጻዕሪ በዓል መምህር ይስሃቅ ተወልደመድህንን ካልኦትን  ቋንቋ ትግርኛ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ምስ ኣተወ፡ ካብ ሰሪ መዓት ቋንቋታት ምዕራባውያን ብመጠኑ ክንገላገል ክኢልና።

 

ነኣሽቱ ከሎና፡ ሚስ ግሌር እተባህለት እንግሊዛዊት ናይ እስካውት መምህር ነይራትና። ነኣሽቱ ተዃሉ (ካብስ) ኢና ንበሃል ኔርና።  ብእንግሊዝ ገይራ ኢያ እትዛረበና። ንሕና ግና እቲ ትግርኛ’ኳ ናይ ኣቦና ኮይኑና። መን ኪሰምዓ። ከም እንሰምዓ ግን ‘የስ’ እናበልና ብእንግሊዝ ፍሽኽ ንብላ ኔርና። ዚትርጉመላ ሰብ ግን ነይርዋ። ናብ በረኻ ትወስደና። ገለ ትብለና። ኣታ እዛ ጸማም እንታይ እያ ትብለና ዘላ….የስ የስ…..የስ… ንብላ ኔርና። ወዮ ባዕልና ጸማማት!

 

ናብ ቤትጽሕፈት ምምሕዳር እንግሊዝ ወሲዳትና። ንሕና ኸኣ ከምቲ ዝመሃረትና ምርኢት ኣርኢና። ከም መተባብዒ ከኣ ፓስተን ናይ ተኒስ ኰዓሳሱን ተዋሂብና።

 

ድሕሪ ነዊሕ እዋን፡ ኣበይ ከም ዘላ ሓቲትናላ። ኣብ ከንያ እቶም ማውማው ዚብሃሉ ሓርበኛታት ናጽነት ከም ዝቐተልዋ ተነጊሩና። መወዳእታና የጸብቐልና።

 

ህዝብና ንእንግሊዝውያን ኣዝዮም ጐረሓትን ሃሰይትን ብምንባሮም፡ ምስ ወኻርያ እዩ ዘዛምዶም ነይሩ። ከም ወትሃደራት መጠን ግን ብስብእነቶም ይንእዶም ነበረ። እከለ እንግሊዝ እዩ ኪብሃል ከሎ፡ ጐራሕ እዩ ከም ማለት ነበረ። ቈጸራ እንግሊዝ ኪብሃል ከሎ ኸኣ ኣብ ሰዓትካ ጥብ ምባል ማለት ነበረ። ግንከ መራሒቶም ሰበይቲ ብምንባራ ንህዝብና ከይገረሞ ኣይተረፈን። እቲ ዘይተማህረ ህዝቢ፡ ሰብ ስረ ከለዉስ ሰበይቲ ትመርሖም ብምባል ይዛረብ ነበረ።

 

ካብ ኩሉ ግን ቋንቋኦም እዩ ንሰብ ላሕ ኣቢሉ ዝነበረ (ክሳዕ ለይተ ሎሚውን ኣብ ጽሑፋትና ላሕ የብለና ኣሎ)። ኣናብባውን የሸግር ነበረ። መንደፈራ ጽሒፎም፡ ከረን ኢልካ ኣንብቦ ይብሉኻ ብምባል ህዝቢ የዕዘምዝም ነበረ።

 

እንግሊዛውያን ካብቲ ዚገዝኡዎ ወይ ዘመሓድሩዎ ሃገር ኪወጹ ከለዉ ሓዊ ከይመለሱሉ ብምንም ተኣምር ኣይወጹን እዮም። ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ ፍልልይን ሻርነትን ከእትዉ ብዙሕ ፈቲኖም። ደስ እዩ ዚብሎም ዝነበረ ሰብ ብዓሌትን ሃይማኖትን ተኻፋፊሉ ኪኰሳተር ከሎ ምርኣይ።

 

ህዝቢ ምምቕቓል ምስ ኣበዮም ግን ሃገር ኪኸፍሉ ፈቲኖም። ዕድል ኮይኑ ግን ግዜ ኣይረኸቡን።

ነታ ን12 ዓመታት ዘመሓደሩዋ ዝነበሩ ኤርትራ ድማ፡ ኣብ ጽቡቓ ይኹን ኣብ ሕሰማ ዘኪሮምዋ ወይ ሓሲቦምዋ ኣይፈልጡን።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com