Saturday , May 4 2024

ሓንቲ ዓለም፣ዕስለኣዊ ባህሪ (herd instinct)

ኣማኑኤል ሳህለ

ሰብ ንበይኑ ኪኸውን ከሎን ኣብ ውሽጢ ጉጅለ ኪኸውን ከሎን እተፈላለየ ባህርያት እዩ ዘርእይ። እቲ ንበይኑ ኪገብሮ ዘይደፍር ነገራት፡ ምስ ብዙሓት ኪኸውን ከሎ ኪገብሮ ይደፍር። ፍርሁ እውን ይጎድል። ብዙሕ ኣይጭነቕን። ምስ ህዝብኻ መዓትስ ዳርጋ ገዓት እኮ ተባሂሉ እዩ።

ህጻናት ኣብ ጥቓ ገዛውቶም ኮፍ ኢሎም ከዕልሉ ርኢኹምዶ ትፈልጡ? ሰብ ኪሓልፍ ከሎ፡ ገለ ዓይነት ድምጺ ምግባር ወይ ገለ ቃላት ምድርባይ ኣየፍርሆምን እዩ። ወላ እዚ ውን እቲ ሰብ ነግራም ምዃኑ ዚፈልጡ እንተ ኾኑ፡ ስቕ ኪብሉ እኩብ ባህርያቶም ኣይፈቕደሎምን እዩ። ንኣብነት ከም ”ኣይትፈሳሕ በል ” ”እንታይ ደኣ ትብርጠጠልና፡ ንፈልጠካ እኮ ኢና ” ወዘተ ዚብሉ ቃላት ብትሕት ዝበለ ድምጺ ምፍናው ደስ ይብሎም። ምናዳ እቲ ሰብ ካባታቶም ርሕቕ ምስ ዚብል፡ መሊሶም እዮም ዚገዱ።

ሓደ ካባታቶም ግን ንበይኑ ምስ ዚህሉ፡ (ማለት እቲ ጉጅለ ወይ ጀምዓ ምስኡ ምስ ዘይህሉ) ከምኡ ኪብል ኣይክእልን። እቲ ግዳይ ከይጥሕሮ ይፈርህ እዩ። እዚ ዓይነት ባህርይ ግን ኣብ ምንታይ እተመርኮሰ እዩ?

ነዚ ንምግላጽን ንምትንታንን ገለ ተመራመርቲ ሓሙሽተ ሓሳባት የቕርቡ፥

1. ኣብ ብዙሓት እተኸፋፈለ ሓላፍነት

2. ምጥፋእ መንነትን ኣነነትን

3. ሓይሊ ኣብ ጥሙር ብዝሒ

4. ውሁድ ውኖ (unified consciousness)

5. ኣብ እኩብ ዚፍጠር ናይ ምስትውዓል ዓቕሚ ምጕዳል (low level of consciousness)

1. ሓደ ሰብ ንበይኑ ኪኸውን ከሎ፡ በይናዊ ሓላፍነት እዩ ዚስከም። ንሕማቕ ይኹን ንጽቡቕ ነገራት በይኑ እዩ ዚቕበሎ፡ ዘካፍሎ ሰብ የብሉን። ምስ ብዙሓት ኪኸውን ከሎ ግን፡ ነቲ ሓላፍነት ምስ ካልኦት ይካፈሎ ስለ ዘሎ፡ ብዙሕ ኣይጭነቕን እዩ። ከቢድ ሓላፍነት፡ ኣብ ብዙሓት ኪከፋፈል ከሎ ይፈኩስ እዩ።

2. ሓደ ሰብ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኣነነቱ ወይ መንነቱ እናሃሰሰ እዩ ዚኸይድ። ምስ ሚልዮናት ምስ ዚኸውን ከኣሞ እቲ መንነቱ ከም ዘየለ እዩ ዚቝጸር። ስለዚ ኣብ መንጎ ብዙሓት ብምዃን ነቲ መንነትካ ከተህስሶን ከም ዘየሎኻን ክትመስል ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ብምግባር ድማ ነቲ ፍርህኻ ንግዜኡ ዋና ከም ዘይብሉ ትገብሮ ኣሎኻ ማለት እዩ።

3. ሓደ ሰብ ንበይኑ ድሩት ሓይሊ እዩ ዘለዎ። ምስ ብዙሓት ግን እቲ ሓይሉ ይዓቢ እዩ። ብፍላይ እቲ ጉጅለ ጥሙርን ስሙርን ምስ ዚኸውን፡ ብርቱዕ ሓይሊ እዩ ዚፈጥር።

 ኣብ ሓደ ዩ-ትዩብ ከም ዝረኣኹዎ፡ ጥሙርን ስሙርን ጉጅለ ሃደንቲ፡ ንእንስሳታት ንግዜኡ የስግእዎም እዮም። ንኣብነት ሓሙሽተ ሰባት ብሓደ እናሰጎሙን ኣዒንታቶም ናብቲ ዚህደን እንስሳ እናተኮሩን ተጠሚሮም ኪቐርቡዎ ከለዉ፡ እቲ ዚህደን እንስሳ ነቲ ጥሙር ጉጅለ ከም ሓደ ዓቢ እንስሳ ገይሩ ስለ ዚርእዮ፡ ይፈርህን ይሃድምን።

ዓሰርተ ክልተ ኣናብስ፡ ዓጋዜን ቀቲሎም ኪበልዑ ከለዉ፡ ሰለስተ ማሳይ (ዓሌት ከንያ) ብሓደ እናሰጎሙ፡ ኣዒንታቶም ናብቶም ኣናብስ ኣተኲሮም ቅርብ ምስ በሉዎም፡ እቶም ኣናብስ ነቶም ሰለስተ ሰባት ከም ሓደ ዓቢ እንስሳ ቆጺሮም፡ ምግቦም ገዲፎም ሃዲሞም ከይዶም።

ስለዚ፡ እቶም ብሓደ ኮይኖም ንዓቢ ዚደፍሩ ህጻናት፡ እቲ ጥምረቶም ፍሉይ ግን ሓሳባዊ ሓይሊ ፈጢሩሎም ማለት እዩ።

4. ኣሸሓት ኣዕዋፍ ብሓደ ተላዒለን ናብ ሓደ ቦታ ኪነፍራ ከለዋ፡ ከም ሓደ ኣካል ኮይነን፡ ብሓደ እየን ዚጥወያን ዚጠዋወያን ዚድይባን ዚወርዳን። እታ ኣብ ቅድሚት ዘላ ዑፍ ክትጥወ ከላ፡ እታ ኣብ ድሕሪት ዘላ’ሞ ዘይትርእያ ዘላ ዑፍ፡ ከምኣ ብተመሳሳሊ መገዲ ትጥወ። ስለዚ ኩላተን ከይተናጎጻ ከም ሓደ ኣካል ኮይነን ናብቲ ዝደለየኦ ቦታ ይጎዓዛ። ከምዚ ንኺገብራ፡ እቲ ውኖአን ኣዋሃሂደንኦ ኣለዋ ማለት እዩ። ነዚ ኣብቶም ቆልዑ ክንርእዮ ከሎና፡ ምናልባት ብሓደ ጠሚሮም ናብቲ ዚለኽፉዎ ዘለዉን ኪምክቶም ትንዕ ዚብል ዘሎን ሰብ እንተ ዚቐርቡ፡ እቲ ሰብ ንግዜኡ ምሰግአ፡ ዝሕጥ እውን ምበለ።

5. ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘተንባህኩዎ፡ ኣብ እኩባት ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዕስለ፡ እቲ ናይ ምስትውዓል ዓቕሚ ኣዚዩ ይጎድል እዩ። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ሰብ ብኣሽሓት ቁጽሪ ኪእከብ ከሎ፡ እቲ ናይ ምስትውዓል ድራኸኡ (intellect) ናይ ደመነፍሲ (instinct) ባህርይ ኪሰግር ግዜ ኣይወስደሉን እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ናይ ውኖኡ ደረጃ ንታሕቲ ይወርድ እሞ፡ ንዝኾነ ሸፋጥን ሰባኽን ሻጥርን ሰብ ኪስዕቦ ድሕር ኣይብልን። ብፍላይ እቲ ሸፋጢ፡ ጥዑምን ተስፋ ዚህብን ቃላት ብውሕሉል መገዲ ምስ ዚጥቀምን፡ እቲ መልእኽቱ ድማ ናብ ኣእምሮ ገዲፉ ናብ ልቢ ዝቐንዐ ምስ ዚኸውን፡ ኩሉ ሰብ ሆ! እናበለ እዩ ዚሰምዖን ዚኽተሎን።

ነዚ ኣብነት ዝኾኑና፡ ዲክታቶራትን፡ ሸፈጥቲ ፖለቲከኛታትን፡ ናይዚ ዘመንዚ ሰበኽቲ ሃይማኖትን እዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ እቲ ዕስለ ሰብ ነቲ ናይ ምትንታን ዓቕምታቱ ብምድርባይ ኣብቲ ናይ ስምዒታውን ሕልማውን ዓለሙ ኪሕምብስ ስለ ዚደሊ፡ እቲ ሸፋጢ ድማ ነዚ ኣዳዕዲዑ ስለ ዚፈልጦ፡ ብእተፈላለየ መገዲ ኪጥቀመሉን ኪረብሓሉን ድማ ስለ ዚደሊ፡ ዘይፈጥሮን ዘይምህዞን ነገራት የልቦን።

ኣብቶም ቆልዑ ምስ እንመጽእ፡ ንሳቶም ብሓደ ኮይኖም ነቲ ግዳይ ከባጭውሉ ዝተበገሱሉ ምኽንያት፡ ብሰንኪ ሓደ ናይቲ ነገር ጀማሪ ዝኾነ ቆልዓ እዩ። ኣብ ኩሉ ጉጅለ ወይ ዕስለ፡ ኩሉ ግዜ ሓደ መራሒ ይፍጠር እዩ፡ ወላውን ንሓጺር ግዜ እንተ ኾነ። እዚ መራሒ እዚ ነቲ ጉጅለ ወይ ነቲ ዕስለ፡ ብስምዒቱ እዩ ዚጻወተሉ።

ይኹንምበር፡ ሓደ ካልእ ካብቶም ቆልዑ ተንሲኡ፡ ”ኣታ፡ ስለምንታይ ኢና ንኣቦይ እከለ ነላግጸሎም ዘሎና፡ ካልእ ኢልና ዘይንጻወት” ወዘተ እንተ ዚብሎም፡ ምናልባት ገሊኣቶም ናብ ልቦም ምተመልሱሞ፡ ካብ ድቃሶም ተበራቢሮም ድማ፡ ነቲ ሸፋጢ ገዲፎም ነቲ ውርዙይ ብጻዮም ምተኸተሉዎ።

ኣብዛ ዓለምና ግን ከምኡ ኣይኮነን። ዓለምናስ ሸፈጥትን መታለልትን ፈተውቲ ርእሶምን ዝዕምብቡላ፡ ቅኑዓትን ነብሶም ዝሰውኡ ውርዙያትን ዚድርበዩላ ኮይና ትነብር ኣላ።

ከምኡ ኢላ ግን ንሓዋሩ ትቕጽል ኣይመስለንን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com