Saturday , May 4 2024

ሓንቲ ዓለም፣ጽቡቕ ምግባር/ሕማቕ ምግባር።

ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ ጥልቕ ዝበለ ፍልስፍና እንተ ኣቲና፡ ኣብ ፍጥረት ሕማቕ ወይ ጽቡቕ ዚብሃል ነገር ከም ዘየልቦ ክንዕዘብ ንኽእል። ንሕማቕ ሕማቕ፡ ንጽቡቕ ጽቡቕ ዚገብሮም ንኽልቲኣቶም መምዘኒ ባይታ ምስ እንፈጥረሎም ደኣ እምበር፡ ንበይኖምስ ብዘይ እኹል ትርጉም ጠልጠል ኢሎም ኢዮም ዚተርፉ።

ኣብ መዓልታዊ ዘረባና፡ ላዕሊ ወይ ታሕቲ ዚብሉ ቃላት ከነዘውትር ከሎና፡ ነቲ ናይ መሬት ግራቪቲ ከም መምዘኒ ወይ ከም መወከሲ ብምውሳድ እዩ እምበር ኣብ ህዋ ላዕልን ታሕትን፡ ሰሜን ደቡብ፡ ምብራቕ ምዕራብ፡ ከቢድ ፈኲስ ወዘተ. ዚብሃል ኣንፈት የልቦን። ኣብ መሬት ግን እቲ ናብቲ ስሕበት መሬት (center of gravity) ገጹ ዚውጥጠና፡ ታሕቲ ንብሎ፣ ንኣንጻሩ ድማ ላዕሊ ንብሎ። ከምኡውን ናብቲ ሰሜናዊ ዋልታ ምድሪ ክንጥምት ከሎና፡ ነቲ ብጸጋምና ዘሎ፡ ምዕራብ፣ ብየማንና ዘሎ ምብራቕ፡ ብድሕሬና ዘሎ ደቡብ፡ ንብሎ። ነቲ ግራቪቲ ብሓይሊ ዚስሕቦ ነገር፡ ከቢድ፣ ነቲ ብድኹም መገዲ ዚስሕቦ ከኣ ፈኲስ ንብሎ ወዘተ።

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣብ ተፈጥሮ፡ ሕማቕ ወይ ጽቡቕ ዚብል ኣምር ንባዕሉ ትርጉም ስለ ዘይብሉ፡ ነቲ ዚፍጠር ተግባር ወይ ክስተት ኣብቲ እንፈጥሮ ሕግን ኣብቲ እንሰማምዓሉን ኣብቲ ነቲ ሰላምናን ማሕበራዊ ናብራናን ዘውሕስ ተግባራት ብምስራት፡ ኣብኡ ተመርኲስና ነቲ ተግባር ወይ ክስተት፡ ሕማቕ እዩ፡ ጽቡቕ እዩ፡ ክንብሎ ንኽእል።

ገለ ሰባት ግን፡ ማሕበራዊ ስምምዕ ይሃሉ ወይ ኣይሃሉ፡ ሕጊ ይሃሉ ኣይሃሉ ብዘየገድስ፡ ኣብ ህይወትና ንሓደ ነገር ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ምዃኑ ንምምዛን እንጥቀመሉ ከም ውድዓዊ ሞራሊቲ (absolute or objective morality) ኪውሰድ ዚኽእል መለኮታዊ መምዘኒ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ኣምላኽ እዩ ይብሉ።

ይኹንምበር፡ እቲ ሰባት ኣምላኽ ኢሎም ዘቕርቡዎ መምዘኒ ወይ መወከሲ ባዕሉ፡ ደቂሰብ ባዕላቶም ኣብ ኣእምሮኦም ዝሰኣሉዎን ዝመሃዙዎን ምስሊ (mental construct) ብምዃኑ፡ ዜርካ ዜርካስ እቲ መምዘኒ ኢሎም ዘቐምጥዎ ነገር ባዕላዊ (subjective) ምዃኑ ኣይተርፎን። ነቲ ኣቐዲሞም ኣብ ተመክሮ ተመርኲሶም ባዕላቶም ዝተኸሉዎ ሕግታትን መትከላትን እዮም ናብቲ ባዕላቶም ዝመሃዙዎ ኣምላኽ ዘልግቡዎ። ምእንቲ መለኮታውነት ከልብሱዎ። ምእንቲ ሰብ ፈሪሁ ኪቕበሎም። ምእንቲ ንምግዛእን ምብዝባዝን ክጥዕሞም። ካልእ ስለ ዘይፈልጡ። ዓቕሞም ትሑት ስለ ዝኾነ (low level of consciousness) ወዘተ።

እዚ ሕጂ ክጽሕፈሉ ደልየ ዘለኹ ኣርእስቲ ግን፡ ነቲ ኣብ ናይ ወድሰብ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ስኒትን ቅሳነትን ምዕባለን ከም መሰረት ገይሩ ብምውሳድ ሕማቕን ጽቡቕን ንምፍላይ ዚግልገለሉ ኣገባብ እዩ። ኣብዚ፡ ነቲ መምዘኒ ባይታ ከም ቅሱን መነባብሮን ሕብረትን ስኒትን ገይረ ኣንቢረዮ ኣሎኹ። ማለት፡ ንዝኾነ ካብ ሰብ ዚምንጩ ተግባራት ወይ ክስተታት ኣብዚ ባይታ እዚ ብምቕማጥ፡ ሕማቕ ወይ ጽቡቕ ምዃኑ ክትመዝን ይከኣል እዩ ዚብል ርእይቶ ስለ ዘሎኒ እዩ።

ኣብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ንምእታው፥ ገለ ሰባት፡ ንጽቡቕን ሕማቕን ተግባር ኪገልጹዎ ከለዉ፡ ጽቡቕ ተግባር ጽቡቕ የምጽኣልካ፡ ሕማቕ ተግባር ድማ ሕማቕ ሳዕቤን ኣለዎ ይብሉ።

ኣቦታትና፡ ገባር ሕማቕ እንታይ ከይጥዕሞ፡ ገባር ጽቡቕከ እንታይ ከይሓስሞ፡ ዚብል ልቦና ዝመልኦ ምሳሌ ገዲፎምልና ኣለዉ። ሕማቕ ዚገብር ሰብ፡ ማለት ንብጻዩ ዚጎድእ ወይ ፍትሒ ዘጕድለሉ ወይ ዚዕምጾ፡ ንግዜኡ ዚዕወትኳ እንተ መሰለ፡ ኢሉ ኢሉስ ኪጥዕሞ ኣይክእልን እዩ። ንብጻዩ ዚረድእ፡ ኣብ ግዜ ጸገማቱን ሽግሩን ጓሂኡን ድማ ጸግዒ ዝኾኖ ግን፡ ወላኳ ንግዜኡ እንተ ዘይጠዓሞ፡ ዘይሩ ዘይሩ ግን ከይረሃዎ ኣይተርፍን ዚብል እዩ።

ግንከ ኣብ ዓለምና ብሓፈሻ እንተ ተዓዚብና፡ ብሓቂ ከምኡ ዲዩ? ንምንታይ ደኣ፡ ኣብዛ ዓለም ፍትሒ እንተ ዚህሉ፡ ብዕራይ ድቋ ምስተየ፡ ዚብል ብሂል ድማ ዘሎ። ንብዕራይ፡ ሓሪሱን ደኺሙን፡ እቶም በቲ ናቱ ጻዕሪ እኽሊ ሓፊሶም ስዋኦም ዚሰትዩ ሓረስቶት፡ ድቋ ኣየስትዩዎን እዮም። ኣድጊ ድማ ምሉእ ህይወታ እኽሊ ተሰኪማ ክንደይ ዓቐበትን ቁልቁለትን ከም ዘይወጸት፡ ንደንቆሮ ሰብ ብስማ ጌርካ ኢኻ እትጽውዖ፡ ናብራኣ ከኣ ሕሰም ዝመልኦ እዩ። ብኣንጻሩ ድማ፡ ንሰፍላላስ ይፈጥረላ፡ ካብቲ ክረምቲ ዝጎልጎለስ እቲ ኣብ ግዜ ማእቶት ሰፍኢ ዘቐበለ ወዘተ. ዚብሉ ብሂላት፡ ኣብዛ ዓለም ፍትሒ ከም ዘየልቦ እዮም ዚገልጹልና።

ኩሉ ጽቡቕ ዚገብር ሰብ፡ ጽቡቕ ይረክብ ማለት ኣይኮነን። ኩሉ ሕማቕ ዚገብር ድማ ሕማቕ ይጓነፎ ማለት ኣይኮነን። ገለ እምባገነናት ህይወቶም ብምቾትን ደስታን ከሕልፉ ከለዉ፡ ገለ ውፉያትን ርህሩሃትን ድማ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝምህምኑ ኣለዉ። እዚ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።

ወድሰብ፡ ነዚ ናይ ዘመናት ሕንቅሊተይ’ዚ ኪፈትሕ ካብ ዘኽኣሉዎ ሜላታት ሓደ፡ ኣብ ልዕለ-ፍጥረት (supernatural) ምእማን እዩ። ንኣብነት፡ ህንዳውያን፡ ሓደ ሰብ ኣብዛ ምድሪ ክፉእ ዚገብር እንተ ነይሩ፡ ወላውን ኣብዛ ምድሪ ይርሃዎ፡ ምስ ሞተ ግን፡ ጸኒሑ ከም ከልቢ ወይ ተመን ኮይኑ እዩ ዳግማይ ግዜ ናብዛ ምድሪ ዚውለድ ይብሉ (reincarnation)። ካልኦት እምነታት እውን ነናተን ተመሳሳሊ መልስታት ኣለወን።

መብዛሕትኡ ግዜ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣብ ልዕለ-ፍጥረት እተመስረተ ርእይቶ ወይ ኣመለኻኽታ ምህልው፡ ነቲ ክፍኣት ዚፍጽም ሰብ ወይ ምንጪ፡ ስቕ ኢልካ ከም እትቕበሎ እዩ ዚገብረካ። ንኣብነት፡ ናብቶም ኣብ ህንዲ ዘለዉ ገለ ኣመንቲ ክንምለስ፥ ንሳቶም ነቶም ዚብዝብዙዎም ሃብታማት ሰባት፡ ስለምንታይ ንግፋዕ ኣሎና ብማለት ኣንጻሮም ኣይለዓሉን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ ሕጂ ሕማቕ ይገብሩ ኣለዉ፡ ስለዚ ምስ ሞቱ ከም ኣኽላባት ኮይኖም ከም ብሓድሽ ኪውለዱ ኢዮም፡ ንሕና ድማ ብግዴና ካብዛ ዓለም ብሞት ምስ ተፈለና፡ ከምዚ ሕጂ ንሳቶም ዘለዉዎ ሃብታማት ኴንና ክንውለድ ኢና ብምባል ኢዮም ነብሶም ዘደዓዕሱ።

ወድሰብ ኣብዛ ዓለም ጋሻ እዩ፡ ኣብዛ ዓለም ከም ጋሻ ኮይኑ ዚጸንሓለን ዓመታት ከኣ ካብ 90-100 ዓመታት ኣይበዝሓን እየን። ኣብዛ ዓለም ምምጻኡ፡ ነቲ ንኺነብር ብማለት ዓለም ካብኡ እትደልዮ ናይ ውድድርን ስስዐን ዕብለላን ባህርያት ተቓሊሱ፡ ነቲ ናይ ምትሕብባርን ስኒትን ፍቕርን ባህርያት ኣኻዕቢቱ ነቶም ኣብዛ ዓለም ዚብድህዎ እተፈላለዩ መፈንጠራታት ምስጋር እዩ። ብድሕሪኡ፡ ማለት ምስ ሞተ፡ እንታይ ከም ዝጓነፎ፡ ናይ እምነት ጉዳይ ደኣምበር፡ ርጉጽ ዝኾነ ነገር የልቦን።

እቲ ገባር ክፉእ፡ በቲ ሕማቕ ተግባራቱ፡ ነዚ ጕዕዞዚ እዩ ዕንቅፋት ዝኾኖ። እቲ ገባር ክፉእ፡ በታ ተግባሩ ጥራይ ነቲ ተጓዓዛይ ኣብ ሽቶኡ ወይ ዕላማኡ ንኸይበጽሕ ጸገማት ይፈጥረሉ ኣሎ ማለት እዩ። ንነፍሱ እንተኾነውን ጸገማት ጥራይ እዩ ዚፈጥረላ፡ ከመይሲ ነዛ ምድሪ ባዕሉ ጸገማታ ንኺበዝሕ ኣበርክቶ ይገብር ስለ ዘሎ።

ይኹንምበር፡ እቲ ዚፍጠር ጸገማት ብወገኑ ነቲ (ገባር ጽቡቕ) ተጓዓዛይ ከበርትዖን ከደልድሎን ይኽእል ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ገባር ክፉእ ድማ ንእዋኑ እምበር ንሓዋሩ ዘይጠቕሞን ዘየርብሖን ስለ ዝኾነ፡ ዘይሩ ዘይሩ፡ እቲ ዚጕዳእስ እቲ ገባር ክፉእ ባዕሉ ደኣምበር እቲ ገባር ጽቡቕስ (በታ ንኹሉ እተርብሕን እተቕስንን መገዲ ኪጐዓዝ ስለ ዚደሊ) ምንም እኳ ንግዜኡ በቲ ገባር ክፉእ እንተ ተደናጎየ፡ ናብቲ ምድራዊ ዕላማኡ ይበጽሕ እዩ። ብፍላይ እቲ ምድራዊ ዕላማኡ ካብ ኣነነትን ስሰዐን ዝረሓቐ ኪኸውን ከሎ።

እቲ ገባር ክፉእ ግን፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ኣብ ኣነነትን ሃብትን ስልጣንን እተመርኮሰ ናይ ውድድርን ስስዐን ዕብለላን ባህርያት (survival of the fittest/strongest) ስለ ዘየሸነፎ፡ መብዛሕትኡ ግዜስ ኣብታ ባዕሉ ዝኾዓታ መውጽኢ ዘይብላ ጉድጓድ ወይ ኣብታ ባዕሉ ዝደኮና ናይ ሕነምፍዳይን ጭከናን ዓለም እዩ ኪነብር ዚግደድ። ኣብኣ ኮይኑ ግን ሰላም ኪረክብ ኣይክእልን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com