Friday , May 3 2024

ሓንቲ ዓለም፣ ህይወት ትርጉም ኣለዎዶ?

(ካልኣይ ክፋልን መወዳእታን)

ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ፡ ንትርጉምን ዕላማን ህይወት ብዚምልከት፡ ህይወት ወይ ፍጥረት፡ ስሩጽ (intrinsic) ዕላማ ከምዘይብሉ፡ ግን ኣእምሮ ሰብ ነቲ ዕላማ ባዕሉ ከም ዚፈጥሮን ከም ዚምህዞን ገሊጸ ነይረ። ዕላማን ትርጉምን ምፍጣርካ፡ ከምኡውን ድሕሪ ሞት ዘሎ ኩነታት ዘይምፍላጥካ ናብ ከቢድ ስግኣትን ስነልቦናዊ ቀውስን ዘብጽሕ ብምዃኑ፡ ወድሰብ ካብ ጥንቲ ነቲ ቅርጺ ዝሰኣነሉ ሓቃውነት (reality)፡ ባዕሉ ቅርጺ እናሃበ ኣእምሮኡ ንኸዕርፎ ኩሉ ዚከኣሎ ካብ ምግባርን ምፍታንን ኣይዓረፈን።

ወድሰብ ካብቲ ዕላማ-ኣልቦን ዘሰንብድን ዘርዕድን ተስፋ ዘቝርጽን ሓቃውነት ምእንቲ ኪገላገል ብዙሕ ኪሓስብን ኪፈላሰፍን ተገዲዱ እዩ። ከምዚ ዝበለ ዩኒቨርሳላዊ ፍልስፍና፡ ነቶም ናይ ህይወትን ምንባርን ምስጢራት፡ ብቑዕ ትርጉም ኪህቦም ከም ዝኸኣለ፡ እቲ ምሁር እስራኤላዊ ደራስን ፈላስፋን ሳም ቫክኒን ይገልጽ። ብናቱ ኣረኣእያ ነቲ ፍልስና ኣብ ሰለስተ ምርጫታት ይመቕሎ። ስለዚ፡ ወድሰብ በዘን ሰለስተ ምርጫታት ገይሩ ነቲ ትርጉም ዘይብሉ ህይወትን ፍጥረትን፡ ትርጉም ከልብሶን ብኡ ኣቢሉ ከኣ ኪገጥሞን ከም ዝኸኣለ ድማ ይሕብር፥

1. ሳይኮሲስ (ዓቕሊ ጽበት ዚድርኾ ምፍጣር እምነት፡ ማሪት፡ ርእዮተዓለም፡ ሃይማኖት)

2. ናርሲሲዝም (ብርቱዕ ኣነነትን ንነብስኻ ከም ኣምላኽ ጌርካ ምውሳድን ዚፈጥሮ ናይ ኣእምሮ ኩነት)

3. ናሲንግነስ ( ኩሉ ከንቱ ምዃኑ ምስ ፈለጥካ ዚውሰድ ምግንዛብ ኣነነት-ኣልቦነትን፡ ኣነነትካ ምቕታልን፡ ምስቲ መን/እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ግን ከኣ ኩሉ ዚጥርንፍ ዩኒቨርሳላዊ ሓይሊ ወይ ኤነርጂ ድማ ሓደ ምዃንካ ምፍላጥን)

1. ሳይኮሲስ። ብመሰረት ሳም ቫክኒን፡ ዓቢ ክፋል ሕበረተሰብ ዓለም ኣብቲ ናይ ሳይኮሲስ ደምበ እዩ ዚስራዕ። ወድሰብ ንዩኒቨርስ ትርጉም ንምሃብ ካብ ዝመሃዞም ነገራት መብዛሕትኦም ኣብ ርእዮተዓለም (ideology) እተመስረቱ እዮም፣ ንሳቶም ከኣ ማሪትን ያታን እምነትን፡ ስሩዕ ሃይማኖትን፡ እተፈላለዩ ፖለቲካውያንን ቁጠባውያንን ማሕበረሰብኣውያንን ርእዮተዓለማት፡ ከም ኮሙኒዝምን ፋሺዝምን ናዚዝምን ቅጥዒ ዘይብሉ ርእሰማላውነትን ዝኣመሰሉ እዮም።

ወድሰብ በዚኣቶም ገይሩ ነቲ ህይወቱን ከባቢኡን ትርጉምን ዕላማን ከትሕዞ ፈቲኑስ ኣብ ናይ እምነቱን ኣብ ናይ ስሩዕ ሃይማኖቱን ተመክሮ ዳርጋ ኪዕወት ከሎ፡ ኣብ መብዛሕትኦም ፖለቲካውያን ርእዮተዓለማት ግን ብዙሕ ኣይተዓወተን። ብኣበሃህላ ሳም ቫክኒን፡ ሃይማኖት ንወድሰብ፡ ነቲ መልሲ ዘይብሉ መልሲ ንምሃብ፡ ነቲ ምስጢራው ሕቡእን ነገራት ድማ ወናንን ዓቃብን ከም ዝኾነ ንኺመስል ኣኽኢሉዎ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ሃይማኖት ካብ ወድሰብ ብቐሊሉ ዚጠፍእ ክስተት ኣይኮነን።

2. ናርሲሲሲዝም። እዚ፡ ነቲ ኩሉ-ከኣልነትን ፈጣርነትን ጎይታነትን ኣምላኽነትን፡ ኣብ ነብስኻ ከም ዘንጸባረቐ ጌርካ ምሕሳብ የመልክት። ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ካብ ጥንቲ ኣብ ወድሰብ ዝሰረጸ ባህርይ እዩ። ገለ ሰባት ነቲ ኣብ እእምሮኦም ቀሪጾምዎ ዝነበሩ ካብ ነብሶም ወጻኢ ዚነብር መለኮት ወይ ሓይሊ፡ ኣብ ውሽጦም ኣእትዮም፡ ብእተፈላለየ መገዲ ባዕላቶም መለኮታውያን ምዃኖም ኪገልጹ ይድረኹ እዮም።

ንኣታቶም፡ ትርጉም ህይወት ወይ ፍጥረት ንሳቶም ባዕላቶም እዮም። ንሳቶም እንተ ዘይህልዉስ ፍጥረት ኣይምሃለወን ዝዓይነቱ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። እዚ ድማ ናይ ኣነነት ጥርዚ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ወድሰብ ዘሎ ጽቑጥ ባህርይ እዩ፡ ብእተፈላለየ መልክዕን ቅርጽን ድማ ይገሃድ።

ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ኩሉ ግዜ ንኣይ ስምዑኒ፡ ኣነ እየ ዘድሕነኩም፡ ኣነ ክመኽረኩም፡ ኣነ ነዛ ዓለም ውሽጣን ውሻጠኣን አፈልጣ እየ፡ ኩሉ ናባይ ግደፉዎ ዚብሉ እዮም። እዚኣቶም ካብቲ ማንም ዜጋ ጀሚሮም ክሳዕ እቲ ኣምባገነን፡ በብዓቕሞም ኪነጥፉ ይረኣዩ። እዚኣቶም ሽሕኳ ገሊኣቶም ኣብ ሃይማኖት ወይ ኣብ መለኮት ዚኣምኑ እንተ ኾኑ፡ ግን ኣምላኽ ዘይኮነ ዚመርሖምሲ፡ ንሳቶም እዮም ነቲ ኣምላኽ ኢሎም ዚጽውዑዎ ዚመርሑዎ። ንሳቶም እንተ ዘየለዉ፡ ዓለም ትበታተን፡ ፍጥረት ዚበርስ፡ ዩኒቨርስ ዚዓኑ እዩ ዚመስሎም።

መብዛሕትኡ ወድሰብ ንህይወት ወይ ንፍጥረት ትርጉም ወይ ዕላማ ኪህቦ ምስ ዚደሊ ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ የኻዕብት እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ንነብሱ ማእከል ፍጥረት እዩ ኪገብራ ዚደሊ። መብዛሕትኡ ሰብ፡ ትዕበ ትንኣስ፡ ናይ ናርሲስስት ባህርያት ሒዙ እዩ ዚጓዓዝ። ብኡ ገይሩ ድማ ንህይወትን ፍጥረትን ንኸባቢኡን ትርጉም የትሕዞ።

ካብ ሳይኮሲስ ናብ ናርሲሲዝም ምስጋር ኣዚዩ ቀሊል እዩ። ሓደ ሰብ ኣምላኽ ከምዚ እዩ፡ ኣምላኽ ከምቲ ኢዩ ኪብል ይጸንሕ እሞ፡ ደሓር ቀስ ኢሉ ኣምላኽ ተዛሪቡኒ፡ ኣምላኽ ከምዚ ግበር ከምዚባ ፍጠር ኢሉኒ ናብ ምባል ይሓልፍ። ቅሩብ ጸኒሑ ድማ ኣነ ነብዪ እየ፡ ኣነ ሃዋርያ እየ፡ ኣነ መሲህ እየ ንኺብል ኣይድንጉን። ብሓጺሩ፡ ቀስ እናበለ፡ ነቲ ዘምልኾ ኣምላኽ ካብ ስልጣኑ ኣልጊሱ ነቲ ዙፋን ባዕሉ ንምሓዝ ብርቱዕ ኣነነታዊ ባህጊ እዩ ዘለዎ።

3. ናሲንግነስ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ነቲ ባዶነት ከም መሪር ሓቂ ክትውሕጦ ክትግደድ ከሎኻ ማለት እዩ። ንሱ ድማ ህይወት ወይ ተፈጥሮ ትርጉም ከም ዘይብሉ ኣሚንካ ዝመጸ ይምጻእ፡ ዝጸንሐ ይጽናሕ ብምባል ጠኒንካ ኣብቲ ምንጩ (ኣብቲ ባዶነት) ምእታው ማለት እዩ።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ መስርሕ ዩኒቨርስ ትርጉም ከም ዘየለ ድሕሪ ምእማንካ ምስቲ ትርጉም የብሉን እትብሎ ግን ከኣ ከም ኣዚዩ ጥልቂ ዝኾነ ምስጢር ጌርካ እትርእዮ ዩኒቨርሳላዊ ህላወ ወይ ኩነት ወይ ሓቃውነት (reality) ብምጽምባር ሓደ ምዃን ማለት እዩ። ነዚ ኣረኣእያዚ ኪጻወሮ ዚኽእል፡ ነዚ ኣተሓሳስባዚ ኪምክቶ ዚበቅዕ ሰብ፡ ነዚ ሓቅነት እዚ ኪግንዘቦ ዚኽእል ኣእምሮ፡ ኣዚዩ ውሑድ እዩ።

ነዚ ዚኽእሉዎ፡ ምናልባት እቶም ነብሶም ረሲዖም ምስቲ መለኮታውን ዘይምርመርን ሓይሊ ብኣስተንትኖ ዚራኸቡ ባሕታውያን (mystics) ኪኾኑ ይኽእሉ። ከምዚ ዓቕምን ብቕዓትን ድፍረትን ትብዓትን ዘለዎም፡ ብመሰረት ፍልስፍና ሳም ቫክኒን፡ ኣዚዮም ውሑዳት እዮም። ንሱ ከኣዩ እቲ ሓቂ መልሲ። እንተ ዘይኮይኑ፡ እቲ ዝተረፈ ኣገባባት ናይ ፍርህን ዓቕሊ ጽበትን ውጽኢት እዩ።

ብመሰረት ሳም ቫክኒንን፡ እቶም ኣብተን ክልተ ቀዳሞት ምርጫታት ዚስርዑ ሰባት፡ ካብቲ ትርጉምን ዕላማን ህይወት፡ ገለ ረብሓ ወይ መንነታዊ ዕግበት ዚደልዩ ኪኾኑ ክለዉ፡ እቶም ኣብታ ሳልሰይቲ ምርጫ ዚስርዑ ሰባት ግን፡ ብዘይካ ምስቲ ዩኒቨርሳላዊ ሓቃውነት ምጽምባር ወይ ምሕዋስ፡ ካልእ ዓስቢ ወይ መኽሰብ ኣይደልዩን ኣይጽበዩን እዮም።

ነብሶም ስለ ዝረስዑዋ፡ ነብሶም ስለ ”ዘጥፍኡዋ”፡ ኣነነቶም ስለ ዘቃጸሉዎ፡ ከምቲ ዩኒቨርሳላዊ ሓቃውነት ኮይኖም ደኣምበር፡ ከም ውልቃውያን ኮይኖም መንነቶም ሒዞም ኪነብሩ ኣይደልዩን እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣዩ ቁጽሮም ሒደት እዩ ዚብሃል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com