Saturday , May 4 2024

ሓንቲ ዓለም፥ ካብ ሳንዱቕካ ምውጻእ።

ኣማኑኤል ሳህለ

ሓድሓድ ግዜ ኣብ ኣእምሮኻ ንነዊሕ እዋን ምሳኻ ዚቕመጥ ዝነበረ ሓሳባትን ኣተሓሳስባን መርገጽን እምነትን ከም ኣባል ቤተሰብ ጌርካ ኣብቲ ናይ ኣእምሮኻ ውሻጠ ምቕማጥ ጥዑም እዩ። ሒዝካዮ ክትመውት እውን ኣይትጸልእን። ወላውን ሓድሓደ ግዜ ምስቲ ጭቡጥ ናይቲ ከባቢኻ ኩነታት ዘይቃዶ እንተ ኾነ፡ ውጻእ ክትብሎ ኣይትደፍርን። ልክዕ ንውላድካ ካብ ገዛ ውጻእ እትብሎ ከም ዘሎኻ ኾይኑ እዩ ዚስመዓካ። ንሱ እዩ ሰላም ዚህበካ፡ ንሱ እዩ ናይ ህይወት ትርጉም ዚህበካ፡ ንሱ እዩ ውሽጣዊ መንነትካ።

ከምዚ ዝበለ ዘይብገር ኣእምሮኣውን ስነልቦናውን ዕርዲ ምህላው፡ ቀሲንካ ከም እትነብር ይገብረካ። ግዜኣውን ሕልማውን ቅሳነት! ኣብታ ምውቕቲ ዕርድኻ ወይ ሳንዱቕካ፡ ኣብታ ባዕልኻ ዝፈጠርካያ ውሽጣዊት ዓለም፡ ደስ ኢሉካ ትነብር። ምናልባት ገለ ሰብ ከይከፍተካ እሞ ነቲ ሓሳባትካ ከኣ ኣብ ጥርጠራ ከየእትዎ ወይ ንፋስ ከየእትወሉ ብማለት ድማ፡ ነቲ መሸገጢ ዓጺኻ ነቲ መፍትሕ ኣብ ዘይርከብ ቦታ ተቐምጦ። ሽዑ፡ ዝኾነ ዓይነት ሓድሽ ሓሳባት ከይኣትወካ እሞ ነቲ ህዱእ ወሓዚ ማይ ሓሳባትካን መትከልካን እምነትካን መርገጺኻን ከይዘርጎ ብማለት ስግኣት ኣይሓድረካን። ከምቲ ድቂ (ገና ዘይተወልደ ህጻን) ኣብ ማህጸን ኣደኡ ኣብቲ ማያዊ ዓለሙ ቀሲኑ ዚነብር፡ ከምኡ ድማ ኣብቲ ናይ ሓሳባት ማያትካ ደስ ኢሉካ ትነብር።

ብፍላይ እቲ እትሕምብሰሉ ሃዋህው፡ ኣብ ዘይትንተናዊ ወይ ዘይምሁራዊ ሰረት ወይ ኣብ ማሪትን ከንቱ እምነትን ሕልምን እትመርኮሰ ምስ ዚኸውን ኣብኡ ምንባር ክንደይ ደስ ዘብል እዩ። ከምዚ ዝበለ ኩነታት ብእንግሊዝ `ብሊስፉል ኢግኖራንስ’ ይብሃል፡ ትርጉሙ ድማ፡ ሕጉስ ድንቁርና ማለት እዩ።

 ከም ዓረነ ወይ ኣባጎብየ፡ ሓድሓደ ግዜ ካብቲ ሳንዱቕካ ወጺእካ ነቲ ሓሳባትካ ንሰባት ከተካፍል ብማለት ቦለኽ ትብል እሞ፡ ተቓውሞ ወይ ዘይተቐባልነት ምስ ዚጓነፈካ፡ ነታ ኣውጺእካያ ዝነበርካ ርእስኻ ንውሽጢ ስሒብካ ኣብታ ጥዕምቲ ሳንዱቕካ ምንባር ትቕጽል።

 ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብታ ሳንዱቕ ንእሽቶ ንዃል በሲዕካ፡ ንደገ ትርእይ። ግን ኩሉ እቲ ኣብ ደገ እትርእዮ ነገራትን ኩነታትን፡ ተጻባኢኻን በዳሂኻን ንኣነነትካ ኣስጋእን ኮይኑ ስለ ዚረኣየካ፡ ቶባ ኢልካ ኣብ ሳንዱቕካ ምቕጻል እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ኣማራጺ ኣይረኣየካን።

 ይኹንምበር፡ ከም ሰብን፡ ከም ወናኒ ናይቲ ዝዓበየ ህያብ ተፈጥሮ ዝኾነ እኣምሮን፡ ንኹሉ ተሓሲምካ ንዘልኣለም ተዓጺኻ ምንባር ነቲ ሰብኣዊ ክብርኻ ይቕንሶ እዩ። ከምቲ ኣብ ዕጹው ገዛ ብዙሕ ምስ ጸናሕካ፡ ንፋስ ንኽትረክብ ንደገ ክትወጽእ እትግደድ፡ ኣብ ዕጹው መካነ-ሓሳብ ንብዙሕ እዋን ክትቅመጥ ይጽግም እዩ። ስለዚ ንፋስ ንምውሳድ ደገ ትወጽእ። ግን እቲ ኣብ ደገ ዚጓነፈካ ሓደስቲ ተመክሮን ኣፍልጦን በዳሂ ሓቅነታት ንስነልቦናውን መንነታውን ኩነታትካ ስለ ዝተናኽፎ፡ ኣብ ውሽጠኻ ነውጺ ወይ ተኻላኻሊ ግብረመልሲ ኪፍጠር ባህርያዊ እዩ። እዚ ከኣ እዩ ነቲ ናብ ደገ ምውጻእ ድሌታትካ ዚዓግቶን ዘባኽኖን።

 ሓደ ነዚ ዚምልከት ኣብነት ከቕርብ፤ ሓደ ኤርትራዊ ናብ ሃገር ሽወደን ከይዱ ዕቝባ ይሓትት። ንሱን ስድራቤቱን ድማ ዕቝባ ይውሃቦም። ልሙድ ህይወቱ ድማ ኪነብር ይጅምር።

 ይኹንምበር፡ ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ በዓልቲ ቤቱ ቋንቋ ንምጽናዕ ንቤትትምህርቲ ክትከይድ ምስ ተገደደት፡ ንሱ ድማ ነቶም ህጻናት ደቁ ናብ ኣጸደህጻናት ከብጽሕ ምስ ተኣዘዘ፣ ኣብ ኩሉ መዳያት ስራሕ፡ ብፍላይ ኣብ ኣብያተጽሕፈት፡ ደቀንስትዮ ልክዕ ከም ደቅተባዕትዮ ኪነጥፋን፡ ከም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኮይነን ከገልግላን ምስ ረኣየ፡ ኣብቲ ንኣባጽሕ ስልጠና ዚወሃበሉ ቤትትምህርቲ ድማ፡ እቲ ቅርጺ ስድራቤት፡ ብላዕሊ ህጻናትን ኣረጋውያንን፡ ብድሕሪኡ ኣደ፡ ብድሕሪኡ ኣቦ ምዃኑ ምስ ተሓበሮ፡ ኪወሓጠሉ ኣይከኣለን። ኣብቲ ናቱ ኣተሓሳስባ፡ ቅድም ኣቦ፡ ደሓር ኣደ፡ ብድሕርኡ ኣብ መወዳእታ ህጻናት እዮም ዚስርዑ። ግን ኣብ ሃገር ሽወደን እቲ ቅርጺ ስድራቤት ብኣንጻሩ ወይ ብግልባጡ ኾይኑ ኢዩ ጸኒሑዎ።

 እዚ ሰብዚ፡ ካብቲ ኣብ ሳንዱቕ ኣእምሮኡ ዘቐመጦ ቤተሰብኣዊ ቅርጺ ካልእ ኪሓስብ ኣዚዩ እዩ ጸጊሙዎ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ማሕበራዊ ቅርጺ ንምንሻው ድማ ብዙሕ ስነመጎታዊ መውጽኢታት ይፈጥር፣ ሓደ ካብኡ ድማ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምጥቃስ ኢዩ። ግን እዚ ኣገባብዚ፡ ኪጠቕሞ ኣይክእልን። እቲ ዚጠቕሞስ ህየሳዊ ትንትና (critical thinking) ምስ ዘማዕብል ጥራይ ኢዩ።

ኣብ ምዕቡል ሃገር መጺእካ፡ ነቲ ኣብ ያታን ልምድን እተመሰረተ ዘመኑ ዝሓለፎ ኣጉል ባህላታትን መምርሒታትን ከተስፍን ምፍታን፡ ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ ጥራይ ኢዩ። ብቐደሙስ ኣብዚ ሃገር’ዚ ብምሉእ ናጽነት ከም እትነብር ዝገበሩ እቶም ብሳየንሳውን ስነመጎታውን ህየሳዊ ትንተና ዝምርሑ ዶይኮኑን! እቶም ዝሰጎጉኻ ደኣ ኣብቲ እኩይ ሳንዱቖም ኮይኖም ዶይኮኑን ንሰብ ብስጋውን ኣእምሮኣውን ስነልቦናውን መገድታት ዘሳቕዩዎ ዘለዉ!!!!

ይኹንበር፡ ገለ ሰባት፡ ካብ ሳንዱቖም ወጺኦም ነዚ ሓድሽ ቅርጺዝን ካልእ ምዕቡልን ኣብ ስነመጎት እተመርኮሰን ሓሳባትን ርእይቶን መትከላትን ውጥናትን ኪቕበሉዎ ይፍትኑን ይዕወቱን እዮም።

ገለ ግን ኣብቲ ውሽጢ ሳንዱቖም ኮይኖም፡ ከማርሩን ከጕረምርሙን ክሕንሕኑን ዚነብሩ ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com