Friday , May 3 2024

ሓንቲ ዓለም “ሕማምን ሳየንስን”!!

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፡ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ሕማም ንወድሰብ ከሰንፎን ኣብ ህይወቱ ጸገማት ኪፈጥረሉን ጸኒሑ እዩ። ካብ ፍርህን ስግኣትን ጭንቀትን እተላዕለ ኣእምሮኣዊ ሕማም፣ ካብ ዘይግቡእ ኣበላልዓን ኣሰታትያን ከምኡውን ካብ እተፈላለዩ ባልዓትን ጀርምታትን ባክተሪያታትን እተበገሰ ሕማም፡ ካብ ብርቱዕ ቁርን ብርቱዕ ረስንን ዝነቐለ ሕማም፡ ብገለ ሓደጋ ብዚጓነፍ ምትንኻፍ ኣካላት ዚኽሰት ሕማም፡ ካብ ዘርኢ ወይ ውርሻ ዚሽመት ኣካላዊ ሕማም ወዘተ.

ወድሰብ ብጥንቲ ንመብዛሕትኦም ሕማማት ከም እኩይ ተግባር መናፍስቲ ገይሩ እዩ ዚወስዶም ነይሩ። ሓደ ሰብ ወይ ኣባል ቤተሰብ ሎሚ ጥዑይ ነይሩ ጽባሕ ኣብ ዓራት ወዲቑ ኣብ ሳልስቲ ኪመውት ወይ ናብ ሞት ገጹ ኪጎዓዝ ከሎ፡ እሞ ኸኣ ርኡይ ጸላኢ ዘይብሉ፡ ወይ ርኡይ ማህረምቲ ዘይብሉ፡ መን ደኣዩ በደለኛ? እዚ ኾይኑ እቲ፡ በደለኛ ኮይኑ ኪቐርብ ዚኽእል ሰብ ሰለ ዘይተረኽበ፡ እቲ ገባር እከይ ግድን ረቂቕ፡ ብዓይኒ ሰብ ኪረኣይ ዘይክኣል ኪኸውን ኣለዎ።

ስለዚ፡ መንፈስ ጥራይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፡ እኩይ ከኣ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ነቲ ሕሙም ናብቲ ዝነበሮ ኩነታት ንምምላስ፡ ነቲ እኩይ መንፈስ ምቅብጣርን ብጉቦ ምምላድን እንተ ዘይኮይኑ ምንም ዚግበር ነገር የልቦን። እቲ እኩይ መንፈስ ግን ጠባዩ መትሓዚ የብሉን። ስለዚ ቃሕ ኪብሎ የሕዊ፡ ቃሕ ኪብሎ ድማ መልሲ ኣይህብን። እንታይ ደኣዩ ጸገሙ? ከም ግቡእ ኣቀባጢርና፡ ኣማሊድናን ዝከኣለና ጌርናን ኢና፡ እንታይ ኮይኑ ደኣዩ ዘይሓወየ? እቲ ቅብጥሮት ወይ እቲ ንመማለዲ እተሓርደ ብዕራይ ዲዩ ንኢሱዎ?

ኣብዚ ምሹእ ኩነታትዚ፡ ኣነ እየ ዚፈልጥ ዚብል ክኢላ ”ፈዋሲ” ደበኽ ይብል። ነቲ እኩይ መንፈስ ንምድዕዓስ ድማ እተፈላለየ ማሪታዊ ስርዓተ-ቅዳሴታት የካይድ። ከምዚ ኢሉ ጠንቋላይ-ፈዋሳይ (shaman) ይፍጠር። ከሕዊ ኢሉ ዘይገብሮ የልቦን፥ ይደርፍ፡ የዘይም፡ ይግዕር፡ ይንበ። ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ኣብቲ ምፍዋሱ ስለ ዚዕወት፡ (እቲ ዘይዕወተሉ ኣጋጣሚታት ዳርጋ መብዛሕትኡ ግዜ ኣይዝከርን እዩ) ኣብቲ ሕብረተሰብ ተቐባልነት ይረክብሞ፡ ሞያኡ እናቐጸለን ናይ ዕለት ፍረጻማኡ እናተቐበለን ህይወቱ ይቕጽል።

 ከምዚ ዝበለ ሞያ፡ ንብዙሓት ሕጹያት ጠንቆልትን ሰብሽሕርን ሰብኣሰገልን ስለ ዚስሕብ፡ ”ሓከምቲ”  ይበዝሑ፡ ኣጉል እምነት ይሰፍን፡ ባህላዊ መድሃኒታት ይፍጠር፤ ኣብ ኣቝጽልትን፡ ሰራውርን፡ እተፈላለዩ ሜታላትን ማዕድናትን፡ ማያትን ናውቲ ከብዲ እንስሳታትን እተመስረተ ኣፋውስ!!

 ነቶም ብናይ ኣእምሮ ሕማም ዚሳቐዩ ከኣሞ፡ እቲ ሕማም ንባዕሉ ዘይረአን ኣብ ኣካላት ምልክት ዘይገድፍን ብምዃኑ፡ ብመናፍስቲ ጥራይ እዩ ኪመጽእ ዚኽእል ዚብል እምነት ምኽኑይ እዩ ነይሩን ኣሎን። ከምዚ ንምግባር ድማ፡ ኣብዛ ዓለምና ነቲ ሕሙም ብትልሂትን ብርቱዕ ሙዚቃን ጨርባሕባሕን ብምስንባድን፡ ብምግራፍን ብምጅላጥን ካብቲ እኩይ መንፈስ ከም ዚላቐቕ ንምግባር ዘይተሓለነ ጻዕርታት ተኻይዱ ኢዩ። ሕጂውን እንተኾነ፡ ኣብ ገለ ገለ ሃይማኖታት ከምዚ ዝበለ ንጥፈታት ብዘመናዊ ቅዲ ተሰንዩ ጌና ይካየድ ኣሎ።

 ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ሕማም፡ ሓድሓደ ሰባት ከም ዚብሉዎ፡ ተግባር ናይ ሓደ መንፈስ ወይ ሳዕቤናቱ ኣይኮነን። እቶም ሕማም ዘምጽኡልና ጀርምስ ወይ ቫይረስ፡ ልክዕ ከም ካልእ ፍጡር፡ ንኺነብሩ ኢሎም እዮም ኣብ ኣካላትና ዚኣትዉ። ዓቢ ኣይፈልጡ ወይ ንእሽቶ፡ ኣንስተይቲ ኣይፈልጡ ወይ ተባዕታይ፡ ቀዪሕ ጸሊም፡ ሓጺር ነዊሕ፡ ትሑት ዕቡይ፡ ቀታሊ መሓሪ፡ ቀሺ ወይ ከታሪ፡ ንኹሉ እዮም ዚኣትዉዎ፡ ስዉር ኣጀንዳ ስለ ዘይብሎም። ኪቐትሉና ብዚብል ዕላማ እውን ኣይኮነን። ግን እቲ ናታቶም ኣብ ውሽጥና ምንባር፡ ምስቲ ናይ ኣካላትና ባህርይ ወይ ባዮሎጂካዊ መስርሕ ስለ ዘይቃዶ፡ ኣተፈላለየ ጸገማት ይፈጥሩልና። ናብ ሞት ዘብጽሕ ሕማማት ድማ የስዕቡልና።

ምስ ኣካላትና ተመሳሲሎም ዚነብሩን ዚጠቕሙናን ባክተርያታትን ጀርምታትን ከም ዘለዉ ግን ክንርስዕ ኣይግባኣን። ንኣብነት፡ እቶም ኣብ ከስዐና ዚቕመጡ ባክተርያ፡ ንምሕቃቕ ምግብና ኣዚዮም ወሰንቲ እዮም።

 ናይ ኣእምሮ ጸገማት ወይ ሕማማት ግን፡ ብመጠኑ ካብቲ ወትሩ ዚወቕሰና ሕልናናን፡ (ሕልና እንተ ኣሎና ኮይኑ) ካብቲ ኣብ ውሽጥና እተቐርጸ ዓሚቝ ስነልቦናዊ መምርሒታት ንምህዳም ካብ እንገብሮ ፈተናታት ኪብገሱ ይኽእሉ። መብዛሕትኦም ድማ መድሃኒት ተረኺቡሎም ኢዩ። ገሊኦም ድማ ብፍቕሪ ብእተሰነየ ምኽርን ምዕዶን ብስነልቦናዊ ምርመራን ተግሳጽን ምህሮን፡ ኪሓውዩ ይኽእሉ እዮም።

 ኣብ ገሊኡ እምነታት ወይ ባህልታት፡ ንዝሓመመ ሰብ ኣብ ክንዲ ናብ ክኢላ ሓኪም ምውሳድ፡ ናብ ካህናትን ደብተራታትን መንፈሳዊ ሓከምትን ጸበላትን ደብርታትን ምውሳድ ልሙድ እዩ። ፍልጠት ግን ኣብ ሓንጎልና እተዓቝረ ናይ ሚልዮናት ዓመታት ተመክሮን ስነመጎትን ውጽኢት ስለ ዝኾነ፡ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ መሰረታዊ ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎ ክንርስዕ ኣይግባእን። ሰብ ድማ ፍልጠት ስለ ዝደለበ እዩ፡ እንስሳታት ክሳዕ ሎሚ ኣብ ጫካን በዓትታትን ኪቕመጡ ኸለዉ፡ ንሱ ግን ኣብ ርሻናት ዚቕመጥን ብነፈርቲ ዚጐዓዝን ብኢንተርነት ገይሩ ስራሕ ዘሳልጥን ዘሎ።

 እቲ ኣብዚ ጉዳይዚ ዘገርም ነገር ግን፡ ገለ ሰብ፡ በዚ ሳየንሳዊ ምህዞታት እናተጠቕመ ኸሎ፡ ነቲ ብተመሳሳሊ ሳየንስ ዝመጸ ናይ ሕክምና ምህዞን ፍልጠትን ኪሕሰሞ ምርኣይ እዩ።

ናብቲ ገጠራዊ ሓኪም ወይ ደብተራ ኪሕከም ኪኸይድ ከሎ እኮ፡ ኣቐዲሙ ብሞባይል እዩ ምስኡ ተራኺቡ፡ ብማኪና ከኣዩ ኪበጽሖ ዚኸይድ ዘሎ። ካብ ሃገሩ ድማ ብነፋሪት እዩ መጺኡ። እቲ ሳየንስ፡ ኣብዚ ኩነታት’ዚ ጌና ይሰርሕ ኣሎ ማለት እዩ። ክሳዕ ኣብቲ እንዳ ደብተራ ዚበጽሕ እውን ኣሰኒዩዎ እዩ፡ ካብኡ ንደሓር ግን መናፍስቲ እዮም ዚቕበሉዎ። ሳየንስ ከኣ ስርሑ ምስ ፈጸመን ኣገልግሎቱ ምስ ወደአን ብመስኮት ይድርበ ማለት እዩ። ምስኪናይ ሳየንስ!!

 ካብ ሰብ ዚሕይል ሓይሊ ኣሎ እዩሞ፡ ንኣኡ ምውካስን ምልማንን ይሓይሽ ምባል፡ ነቲ ብናይ ሚልዮናት ዓመታት ተመክሮን ምርምርን ስነመጎትን እተኻዕበተ ፍልጠት (ሳየንስ)፡ ወይ ድማ ነቲ ንኣኡ ዚሕዞ ኣእምሮ፡ ምኽሓድ ማለት እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ካብ ሕማምካ ከድሕነካ ኢሉ ግዜኡ ኣብ ትምህርቲ ዘሕለፎ ተማራማሪ ወይ ሓኪም ገዲፍካ፡ ነቲ ናብ ኣጉል እምነትን ማሪትን ከም መበገሲ ገይሩ ዕድለይ እናበለ ከዕሽወካ ዚነብር ማሪታዊ ሓኪምን ንኣፋውሱን ንመምርሒታቱን ምምራጽ ሓደገኛ ምዃኑ ብኣጋኡ ክትርዳእ ይግባእ።

ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ዓለምና ብኮሮናቫይረስ ትሕመሰሉ ኣብ ዘላትሉ እዋን!!!!


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com