Thursday , May 2 2024

ሓንቲ ዓለም: ብኣማኑኤል ሳህለ ሰብ ናብ ሰቡ …. (The Ties That Bind )

ሓደ እዋን ኣብ ሓደ በረኻ፡ ሓደ ሽደን እተባህለ፡ ትብዓቱ ዝጎደለ ኣንበሳ ይነብር ነበረ። ”ኣንበሳ እናተባህለስ ድፍረት ዝጎደሎ? ከመይ ዲዩ ነገራቱ? ወኻርያ ማለትካ ዲኻ?” ዚብል ኣይሰኣንን።
ኣይፋልን፡ አረ ኣንበሳ!
ኣንበሳ ደኣ ድፍረቱ ኣበይ ኣጥፊኡዎ?
ሽደን፡ ገና ወዲ ሓደ ዓመት ከሎ፡ ምስ ኣደኡን ኣሕዋቱን ንሃድን ኪኸዱ ከለዉ፡ ኣብ ሓደ ጫካ፡ ጎባይ ተጓነፎም። ኣደ ሽደን ንጎባይ ገጠመትሉ። ግን ጎባይ ሓያል ብምዃኑ፡ በተን በላሕቲ ኣቕርንቱ ሰፍሲፉ ናብ መሬት ደርበያ። ጎባይ ንኣደ ሽደን ምስ ደርበያ፡ ካብ ኣሕዋቱ ፈልዩ ንሽደን ኣጓየዮ። ሽደን ሃዲሙ ኣብ ጕድጓድ ወኻርያ ኣትዩ ንግዜኡ ተሓብአ።
ኣብቲ እዋን’ቲ ወኻርያ ኣብ ጉድጓዳ ስለ ዝነበረት፡ ምስ ረኣየቶ ብዙሕ ገረማ። ኣንበሳስ ኣብ ጉድጓድ ወኻርያ ተሓቢኡ!!!
”አረ ደሓን ዲኻ?” ተገረመት ወኻርያ።
”እንታይ ክድሕን ደኣ፡ ሓደ ጎባይ እንድዩ ንኣደይ በቕርንቱ ሰፍሲፉ ደርቢዩዋ” ቆዘመ ሽደን።
”እሞ እንታይ ኴንካ ደኣ ንስኻ ዘይገጠምካሉ?” ደንጸዋ ወኻርያ።
”ዋእ! ንዓይከ ‘ተደገመኒ” መለሸ ሽደን ተረቢሹ።
”በል ንዓ ውጸለይ ካብ ጉድጓደይ፡ ንዓይ ድማ ከይትልክመኒ” ወሰነት ወኻርያ።
ንሽደን ካብቲ ጉድጓድ ወኻርያ ኪወጽእ ዝረኣዩዎ ገለ እንስሳታት፡ ከይገረሞም ኣይተረፈን።
ካብታ እዋን እቲኣ ጀሚሩ ሽደን ምስ ኣሕዋቱ ኪጽምበር ጀመረ። ኣሕዋቱ ጀጋኑን ኩሉ ዘይዓጦምን ኪኾኑ ከለዉ፡ ሽደን ግን በቲ ዘጋጠሞ ኩነታት ስለ እተዳህለ፡ ንድፍረቱ ንኺመልሶ ብብዙሕ ሽግራት ኪሓልፍ ነይሩዎ።
ሽደን፡ ኣንበሳ ክነሱ፡ ከም ኣንበሳ ተባዕን ኵሩዕን ዘይምዃኑ፡ ብዙሕ የተሓሳስቦ ነበረ።
”ኣነስ ዝብኢ ኾይነ ከይፍጠር ነበርኩ” ብምባል ድማ ወግሐ-ጸብሐ የስተንትን ነበረ። ማለት፡ ፈራህ ዝብኢ ባህርያዊ ኢዩ። ድሁል ኣንበሳ ግን፡ እቲ ቃል’ውን ንርእሱ ተጋራጫዊ ኢዩ።
ሓደ እዋን ሽደን ምስ ኣናብስ ምንባር ስቓይ ስለ ዝኾኖ፡ ምስ ኣዛብእ ኪተዓራረኽ መደበ። ይኹን’ምበር፡ ኣዛብእ ምስ ረኣዩዎ፡ ፈሪሆም ሃደሙ። ለካ ሽደን ብደገስ ኣንበሳ ኢዩ። እነሀ’ንዶ ግዳ ኣዛብእ ፈሪሆምውዎ ዚሃድሙ ዘለዉ።
ሽደን ገና ኣይቀሰነን። ሓደ መዓልቲ ንወኻርያ ረኺቡ ምስ ኣዛብእ ከተፋልጦን ከተላልዮን ሓተታ። ወኻርያ ዝገበረት ገይራ ንሽደን ተቐባልነት ኣዛብእ ከም ዚረከብ ገበረት። ስለዚ ድማ ሽደን ምስ ኣዛብእ ተሓወሰ፡ ምሳታቶም ሓቢሩ ኪነብር ምስ ጀመረ ድማ ኪፍራህን ኪኸብርን ጀመረ።
ኣዛብእ ለይተ-ለይቲ ተንሲኦም ናብ ሃድን ኪኸዱ ከለዉ፡ ንሱ’ውን ምሳታቶም ይኸይድ ነበረ። ኣብቲ ሃድን’ውን ጽቡቕን ርቡሕን ተሳትፎ የርእይ ነይሩ።
ይኹን’ምበር፡ ገለ ስድታት ኣዛብእ ነቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብምስትንዓቕ የባጭዉሉ ነበሩ። ኣብ ርእስ’ዚ’ውን ምስ ኣዛብእ ኴንካ ምህዳን፡ ብዙሕ ስጋ ስለ ዘይርከቦ፡ ሽደን ምስ ሃንጎሊማታት ኣዛብእ ተሻሚዉ ዚረኽቦ ዝነበረ መግቢ ብዙሕ ዘጽግቦስ ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ እናዓበረ ከደ፡ ምጕያይ’ውን ከድክሞ ጀመረ።
በዝን ክንድዝን፡ ሽደን ከስተማስል ጀመረ። ”ዋይ ኣነ! ኣንበሳ እንተ ዝኸውን ነይረ፡ ሕጂ ጮማ እበልዕ ምሃለኹ’ በለ ብልቡ። ግን ከኣ ናብቶም ዓሌቱ ዝኾኑ ኣናብስ እንተ ተሓዊሱ፡ ከም ድሁል ኣንበሳ ኮይኑ ኪፍለጥ ስለ ዝኾነ፡ ኪሕወስ ኣይደለየን።
ድሕሪ ብዙሕ ምሕሳብ ግን፡ ቈሪጹ ተላዒሉ ናብ ኣናብስ ኣሕዋቱ ተሓወሰ። ኣብ መንጎ ኣሕዋቱ ዝኾኑ ኣናብስ ብምሕዋሱ እቲ ፍርሁ ብዙሕ ዚረአስ ኣይነበረን። እቶም ኣናብስ ከም ኣንበሳ ገይሮም ይርእዩዎ ስለ ዝነበሩ፡ ፈራህ ኣንበሳ ድማ ስለ ዘይፈልጡ፡ ወላ ኪፈርህ እንተ ረእዩዎ`ውን ዘላግጽ ኮይኑ እምበር ብሓቂ ዝፈርሀ ገይሮምስ ይወስዱዎ ኣይነበሩን። ንሱ’ውን ድሕሪ ነዊሕ ግዜ’ስ እቲ ፍርሁ ዳርጋ እናጠፍኣሉ ዝኸደ ይመስል ነይሩ።
ከምዚ ኢሉ ምስ ፍርሁ እናተቓለሰ ክብረቱ ሓልዩ፡ ምንባሩ ቀጸለ። ኣብ መወዳእታ’ውን ንፍርሁ ፈጺሙ ደርበዮን ሰዓሮን። ከም ካልኦት ኣናብስ ኪጓዝም ጀመረ። ዓጽምን ስጋን ከይተፈልዮ ድማ ክሳዕ ግዜ ሞቱ ናጻ ኾይኑ ኣንበሳነቱን ድፍረቱን ዓቂቡ ህይወቱ መርሐ።
ትምህርቲ፤ ከፊኡካ ድዩስ ወላስ ጥዒሙካ፣ ክብረትካ ኩሉ ግዜ፡ ምስ ህዝብኻን፡ ምስቶም ንኣኻ ዚመስሉን ኢኻ እትረኽቦ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com