Friday , May 3 2024

ሓንቲ ዓለም…..ብ ኣማኑኤል ሳህለ….. ሰለስተ ባህርያት ወድሰብ (Three Faces in the Mirror)

ወድሰብ፡ ሰለስተ መሰረታውያን ባህርያት ሒዙ ኢዩ ኣብዛ ዓለም ዚንቀሳቐስ። ንሳተን ከኣ፤

  1. እንስሳዊ
  2. ሰብኣዊ
  3. መንፈሳዊ   ኢየን።

 

እንስሳዊ ባህርያት፥ ካብ እንስሳ ዝወረስናዮ ባህሪ ኢዩ። ሰብ ብስነህይወት ወይ ባዮሎጂ፡ ካብ እንስሳ ኣይፍለን ኢዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ ነቶም ኣብ ጫካታት ዚነብሩ ሰባት ተዓዘቡዎም። ከምኡ’ውን ነዞም ኣምላኾም ረሲዖም ንወድሰብ ከብክዩ ዚውዕሉ ዘለዉ ገዛእትን ስሱዓት ፈተውቲ ገንዘብን ተመልከቱዎም።

እንስሳዊ ባህርያት፡ ኣብ ባእስን፡ ሓይልን፡ ስዕረትን፡ ኣብ ምትህልላኽን ምቅትታልን፡ ኣብ ዕብለላን ኣብ ምጭቋንን፡ ኣብ ዶብ ዘይብሉ ስልጣንን፡ ምጕብዕባዕን፡ ኣብ ምዕማጽን ምጕባጥን፡ ኣብ ስሰዐን ንዓይ ይጥዓመንን እተሰረተ ሓይሊ ኢዩ። እዚ ኸኣ’ዩ ንሰባት ካብ እንስሳ ከም ዘይሕሹ ዚገብሮም።

ሰብኣዊ ባህርያት፥ ምስ እንስሳዊ ባህርያት እተዛመደ ኪኸውን ከሎ፡ ግን ከኣ ምስ ኣእምሮን  ምስ ናይ ምሕሳብን ምስልሳልን ስነመጎትን ሓይልታት እተዛነቐ ኢዩ። ንሰብ ካብ እንሳሳ ዚፈልዮ፡ ኣእምሮኡ ኢዩ። ስለዚ ሰብ ስለ ዚሓስብን ዘገናዝብን፡ ነቲ እንስሳዊ ባህርያቱ ብሓድሓደ ምኽንያታት የተዓራርዮን ይቆጻጸሮን ይለዋውጦን ኢዩ። እዚ ኸኣ ምስ ብጻዩ ብሓደ ከም ዚነብርን፡ እንዳታትን፡ ቀቢላታትን፡ ብሔራትን፡ ሃገርን መንግስትን ከም ዘቕውምን ቀጻሊ ባህላውን ተክኖሎጂካውን ስልጣኔ ከም ዚሃንጽን ገይሩዎ።

ብስነመጎትን ሳየንስን እተሰነየ ምዝውታር ኣእምሮ፡ ንወድሰብ ካብ ሓዊ ናብ ላምባዲና፡ ካብ ፈረስ ናብ ማኪና፡ ካብ ማሪታዊ ሕክምና ናብ ዘመናዊ ሕክምና፡ ካብ ከንቱ ሕልሚ ናብ ሳየንሳዊ ኣረኣእያ ኪሰግር ኣኽኢሉዎ።

ወድሰብ፡ ኣእምሮኡ ብምዝውታር፡ ንኣምላኹ፡ ማለት ነቲ ንዩኒቨርስ ዘካይድን ዚቆጻጸርን ሓይሊ፡ ከለሊ ክኢሉ። ንኣእምሮኡ ኣብ ጥቕሚ ብምውዓል፡ ኪሓስብን ኪጽሕፍን፡ ፍልጠቱ ከመሓላልፍን፡ ተዛማዲ ሰላም ከምጽእን ክኢሉ።

መንፈሳዊ ባህርያት፥ እዚ ባህርያት’ዚ ወድሰብ ካብ ፈጣሪኡ ዝወረሶ ሓይሊ ኢዩ። ንሰብ ሰብ ኣይኮነን ፈጢሩዎ። ንሰብ ዝፈጠሮ እቲ ኣምላኽ እንብሎ ዘይምርመር ምንጪ ኢዩ። ስለዚ ወድሰብ ብኣምላኽ ካብ እተፈጥረ፡ ሓድሓደ ናይቲ ኣምላኽ ባህርያት ከንጸባርቕ ድማ ግድን ኢዩ።

ሓደ ሊቅ፡ ኮምፒተር ኪፈጥር ከሎ፡ እታ ዝፈጥራ ኮምፒተር ናይ ሰብ ነጸብራቕ ኪህሉዋ ግድን ኢዩ። ከም እትሓስብ ገይሩ ምፍጣሩ፡ ነቲ ናቱ ናይ ምሕሳብ ክእለት ኣብኣ ኪንጸባረቕ ስለ ዝደለየ ኢዩ። ማኪና ኪምህዝ ከሎ፡ ካብ ናቱ ቅልጣፈ ብዝያዳ ክትጐየሉ ስለ ዝደለየ ኢዩ። ነፋሪት ኪምህዝ ከሎ፡ ነቲ ጥንታዊ ናይ ምንፋር ባህጉ ከተማላኣሉ ስለ ዝደለየ ኢዩ።

ስለዚ፡ ንሕና ኣምላኽ ኪፈጥረና ኸሎ፡ ብተዛማዲ መገዲ ከምኡ ክንከውን ይደልየና ኢዩ። ብተዛማዲ መገዲ ንኣኡ ክንመስል እንተ ኽኢልና ጽቡቕ፡ እንተ ዘይክኢልና ድማ ክንፍትን ንነብር፡ ክሳዕ ሓደ እዋን ካብዛ ፕላነት እንጠፍእ።

መንፈሳዊ ባህርያት ኪብሃል ከሎ፡ ፍቕሪ፡ ስኒት፡ ተጻዋርነት፡ ትብዓት፡ ፍትሒ፡ ቅንዕና፡ ሓቅነት፡ ትሕትና፡ ሕብረት፡ ዓቕሊ፡ ወዘተ. ዝኣመሰሉ ደግነታት (virtues) ዘጠቓለለ ኢዩ። እዚ ኣብቲ ሰብኣዊ ኮነ ኣብቲ እንስሳዊ ባህርያት ብኹሉ መሊኡ ኣይረአን። ይኹንምበር፡ ኣብቲ እንስሳዊ ወይ ሰብኣዊ ባህርያት፡ ናይዞም ደግነታት’ዚኣቶም ኣሰራት ይረአ ኢዩ።

ኣብ ገለ እንስሳታት ገለ ካብዚ ደግነታት’ዚ ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ንርኢ ኢና (ከም ምድንጋጽ፡ ምርህራህ፡ ምጽዋር፡ ምትሕግጋዝ ወዘተ.)፡ ግን ንሓድሓደ ደኣ’ምበር ንኹሉ’ቲ መንፈሳዊ ደግነታት ኪጥርንፉ ዚኽእሉ እንስሳታት የለዉን። ገለ ገለ ካብዚ ደግነታት ከንጸባርቑ ምኽኣሎም ግን፡ ንሳቶም’ውን ብኣምላኽ እተፈጥሩ ስለ ዝኾኑ ኢዩ።

እምበኣር፡ እቲ ዝዓበየን ምኽንያት መፍጠሪና’ውን ዝኾነ ባህርያት፡ እቲ መንፈሳዊ ወይ ኣምላኻዊ ባህርያት ኢዩ። ንሱ ኸኣ’ዩ ናይ ሓቂ ሰብ ዚገብረና። እንተዘይኮይኑስ፡ ካብ እንስሳታት እንፍለየሉ ምኽንያት የብልናን። ነቲ እንስሳዊ ባህርያትና፡ ነቲ ሰብኣዊ ባህርያትና ከመሓድሮ ምስ እንፈቕደሉ ድማ ኸኣ፡ ካብ እንስሳታት ዝኸፋእና ኢና እንኸውን።

ሓደ ነብሪ፡ ማንቲለ ኪቐትል ከሎ ድራር ዕለቱ ስለ ዝደለየ ኢዩ። ሰብ ግን፡ ነቲ እንሳሳዊ ዝኾነ ናይ ቅትለት ባህርያቱ፡ ኣእምሮ ወሲኹ፡ ኣዕናዊ ናይ ኲናት መሳርያታት ኪምህዝን ኪሽምትን፡ ኲናት ብምኽፋት ንኸምኡ ዝመሰለ ሰብ ብሲስተማቲካዊ መገዲ ከህልቕን ይነብር ኣሎ። ስለዚ ድማ  እንስሳታት ኣብ ቅድሚኡ ጻድቃን ኢዮም። ብሓፈሻ ኪረአ ከሎ፡ እንስሳታት ንዓሌቶም ኣይቀትሉን ኢዮም፡ ሰብ ግን ነቲ ናቱ ዓሌት ዝኾነ ወድሰብ ንምጽናት ድሕር ኣይብልን ኢዩ።

እቲ ካብ ኩሉ ሓደገኛ ዚብሃል ዓይነት ሰብ ግን እቲ ነቲ እንስሳዊ ባህርያቱ፡ መንፈሳዊ ልብሲ ዘልብሶ ኢዩ። ደንቆሮ ሰብ (ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ ሳይኮፓስን ናርሲሲትን psychopath and narcissist ማለት ሕልና-ኣልቦ ሰብን፡ ኣነነት ዝዓብለሎ ሰብን)፡ ራእይ ኣሎኒ ኪብል ከሎ፡ ካብዚ ሰብ’ዚ ንላዕሊ ሓደገኛ ፍጡር ኣብ ዩኒቨርስ ኪህሉ ኣይክእልን።

እዚ ሰብ’ዚ ነቲ እንስሳዊ ባህሪያቱ ከይገደፈ ዝል ኢሉ ናብቲ መንፈሳዊ ባህሪ ይድይብ ኣሎ ማለት ኢዩ። ወይ ድማ ነቲ ዝንቡዕ ባህርያቱ፡ መንፈሳውነት ወይ ሃይማኖት የልብሶ ኣሎ ማለት ኢዩ። ኣእምሮኡ ግን ነቲ ደረጃ’ቲ ስለ ዘይበቅዕ፡ በቲ እንስሳዊ ባህርያቱ ገይሩ ኢዩ ንኹሉ ዚግምግሞም ዚርድኦን ዚትምኖን።

ከምዚ ዝበለ ሰብ ኣዚዩ ሓደገኛ ብምዃኑ ካብ ማሕበረሰብ ኪእለ ይግባእ። ግን ከኣ ከምዚ ዓይነት ሰብ ንህዝቢ ከታልል ዓቢ ክእለት ስለ ዘለዎ (ብቋንቋ እንግሊዝ ከም ኮን-ኣርቲስት con artist ይፍለጥ)፡ ወድሰብ ድማ ነቲ ተራእዩኒ ዚብልን ሓላምን ሰብ ንኺስዕብ ኣብቲ ባህርያቱ እተቐመጠ መበቆላዊ ፕሮግራም ስለ ዘሎ፡ ብናይ መጓሰ ወይ መጋርያ ደመነፍሲ (herd instinct) ንኺምራሕ ድማ ድሉው ብምዃኑ፡ ነቲ ሓደገኛ ግን ሸፋጢ ሰብ ንኺስዕቦ ድሕር ኣይብልን። ከምዚ ብምዃኑ ድማ እቲ ሓደገኛ ሰብ ንከባቢኡ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንህዝቢ፡ ከታልልን ናብ ዕንወት ከብጽሕን ዓቢ ዕድል ይህሉዎ።

እዛ ዓለም ዳርጋ ተኻሪና እንቕመጣ ገዛ ኢያ። ኣምላኻዊ ባህርያትና ነቲ ካልእ ባህርያትና ምስ ዚዕብልሎ ብሰላም ክንነብር ኢና። ይኹንምበር፡ ከምቲ ከሚካላት ሓዋዊስካን ጸጺኻን ኸሊስካን እተፈላለየ ቦምብን ኑክለያር መሳርያን ክትሰርሕ እትኽእል እሞ ብኡ ጌርካ ድማ ንከባቢኻ እተጽንት፣ ነተን ሰለስተ ባህርያት ብዘይ ግቡእ ሓዋዊስና ወይ ብዘይግቡእ ኣገባብ ክንሰርሓለን ምስ እንፍትን ድማ፡ ነዛ ዓለምን ንህዝባን ከነጽንታ ዘሎና ተኽእሎ፡ ኣዚዩ ኣዚዩ ዓቢ ኢዩ!!!!


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com