Thursday , May 2 2024

ሓንቲ ዓለም …. ብ ኣማኑኤል ሳህለ …. ጉዳም ኣተሓሳስባ (Weird Reasoning)

  1. ተለቃሒ፥– ኣታ እልፉ ሓወይ፡ ቅሩብ ጸጊማትኒ ኮይናስ በጃኻንዶ ኣብዛ እትመጽእ ሰሙን ክመልሰልካ ዓሰርተ ቅርሺ ኣለቅሓኒ።

ኣለቃሒ፥ — ዋይ’ዚ ገሪማ ሓወይ፡ ካን ኮይኑካ! ኣይትሓስብን ዲኻ?

ተለቃሒ፥– ከመይ ማለትካ ኢኻ?

ኣለቃሒ፥ — ዓሰርተ ቅርሺ እንተ ዚህልወኒ ደኣ 9990 ቅርሺ ወሲኸ ማኪና ዘይገዝእ!

ተለቃሒ፥– ሓቅኻ ኢኻ፡ ኣነ እየ ተጋግየ።

 

  1. ሓኪም፥ — እሺ ከመይ ኢዩ ዚገብረካ፡ እስክ ንገረኒ።

ተሓካማይ፥ — ዋላሓንቲ

ሓኪም፥ — ከመይ ወላሓንቲ፡ ወላሓንቲ ምስ ዘይስምዓካ ደኣ እንታይ ክትገብር መጺእካ?

ተሓካማይ፥ — ቅድሚ ሕጂ፡ ናይ ጸላም ከብዲ ሕማም (ፌጋቶ) ወላውን ተባላሽያ ከላ ምልክት ኣይትህብን ኢያ ኢልካኒ ኔርካ …

ሓኪም፥ — እሞኸ?

ተሓካማይ፥ — ምንም ነገር ስለ ዘይስምዓኒ ድማ ፈሪሀ፡ ንሳ ከይትኸውን ……….

 

  1. መዝገቡ፥ — ዋእ፡ መዝገቦም ናበይ ደኣ ትኸይድ ኣሎኻ፡ ተሃዊኽካ ትመስል።

መዝገቦም፥ — ናብ እንዳ ሓኪም።

መዝገቡ፥ — ደሓን ዲኻ? ተጸሊኡካ ዲዩ?

መዝገቦም፥ — ከብደይ ይቐርጸኒ፡ ኣብራኸይ ድማ ብምሒር ቅርጥማት ምኻድ ይኸልኣኒ … ዕውልውል ድማ ይብለኒ።

መዝገቡ፥ — ዋእ፡ ከምኡ ይገብረካ? ዝገርመካ፡ ንኣይ ድማ ልክዕ ከምኡ ይገብረኒ! እሞ ካብ ክልቴና ናይ ሓኪም             ንኸፍል፡ ንስኻ እሞ ተረአ፡ ፈውሲ ምስ ኣዘዘልካ፡ ነቲ ፍርቁ ከፊለ ኣነ እወስዶ።

መዝገቦም፥ — ዋይ ንስኻ ዘይትምህዞ ዘይብልካ! እዝስ መን ይሓስቦ! እምበኣር ካብ እንዳ ሓኪም ምስ ተመለስኩ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 3 ንራኸብ፡ እቲ መድሃኒት ሒዘዮ ክመጽእ እየ።

 

4. ሩስያዊ፥ — ንስኻትኩም ድማ ኩሉ ግዜ ናብ ወርሒ በጺሕና፡ ባንዴራና ኣንበልቢልናላ እናበልኩም ትጀሃሩ።

ኣመሪካዊ፥ — እሞ ንስኻትኩም ደኣ ከምኡ ዘይትገብሩ?

ሩስያዊ፥ — ንሕናሞ ኸኣ ንወርሒ ንዒቕናያስ ኣብ ጸሓይ ኢና ክንዓልብ መዲብና ዘሎና።

ኣመሪካዊ፥ –ጸሓይ ደኣ ከተቃጽለኩም እንድያ? ጸሓይ እኮ ነበልባል ሓዊ ኢያ።

ሩስያዊ፥ –ኣየ ኣመሪካውያን ክትድንቁሩ! ንሕናኮ ዓያሹ ኣይኮናን፡ ብለይቲ ኢና ክንከዳ መዲብና ዘሎና!!


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com