Thursday , May 2 2024

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ዕዉር ንጥዑይ ኪመርሖ ይኽእልዶ?

ሓደ እዋን ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ፡ ሓደ ትኳቦ እተባህለ ሰብ ኣብ እንዳ ፈታዊኡ ኣምሲዩ ንገዝኡ ኪኣቱ ገለ ናይ ርብዒ ሰዓት መገዲ ምስ ተረፎ፡ ናይቲ ከተማ መብራህቲ ብምሉኡ ይጠፍእ። ወርሒ ስለ ዘይነበረት ድማ ዕውንውን ይብል። ደርገፍገፍ እናበለ ኸሎ ምስ ሓደ ካልእ ሰብ ይጓነጽ። እቲ ሰብኣይ ገሪሙዎ ’’ደሓን ዲኻ ይብሎ?’’

 

”ደሓን’የ፡ ኣብ መገዲ ከሎኹ መብራህቲ ከተማ ስለ ዝጠፍአስ ገዛይ ንግዜኡ ጠፊኡኒ፡ በየን ከም ዘምርሕ ተደናጊረ’’ ብምባል ይምልሽ።

 

ብድሕር’ዚ እቲ ሰብኣይ፥

”ኣበይ ኢዩ ገዛኻ ባዕለይ ክመርሓካ?” ይብሎ።

ትኳቦ ድማ ጽቡቕ ገይሩ ይሕብሮ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ንትኳቦ ብኢዱ ሒዙ ልክዕ ናብ ገዝኡ የብጽሖ እሞ፡ ’’በል ገዛኻ በጺሕካ ኢኻ፡ ደሓን ሕደር’’ ይብሎ።

 

ሽዑ፡ ትኳቦ ገሪሙዎ፥

”ዋእ፡ ከመይ ኢዩ ነገራቱ፡ ኣብቲ ብርሃን-ወርሒ ዘይብሉ ጸልማት፡ ከመይ ጌርካ ከይተዓንቀፍካ፡ ጥውይዋይ መገዲ ከይተጋገኻ ገዛይ ኣብጺሕካኒ?’’ ብምባል ይውከሶ።

እቲ ሰብኣይ ከኣ፥

”ዕዉር እየ’’ ቢሉ ይምልሸሉ።

 

እምበኣር መልሲ ናይቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕቶ ከምዚ ዚስዕብ ኢዩ፥ እወ ዕዉር ንጥዑይ ኪመርሖ ይኽእል ኢዩ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ኣዚዩ ጸልማት ዝኾነ ግዜ ኢዩ ዘጋጥም፣ ከመይሲ ንዕዉር ጸልማትን ብርሃንን ኩሉ ሓደ ኢዩ፡ ነቲ ዓይኑ ዚርኢ ግን ብርሃንን ጸልማትን ፍልልይ ኣለዎ። ስለዚ እቲ ዕዉር ነቲ ጥዑይ ኪመርሖ ዝኸኣለ፡ እቲ ጥዑይ ብጸልማት ዘይርኢ፡ እቲ ዕዉር ግን ኣብ ብርሃን ኮነ ኣብ ጸልማት ብዓይኑ ዘይኮነስ ብእተፈላለዩ ናይ ኣካላቱ ህዋሳትን ናይ ምድህሳስ ዓቕምን ስለ ዚምራሕ ኢዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com