Thursday , May 2 2024

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ኣዒንቲ ኣለዋኦም ዘይርእያ

ኣማኢት ዓመታት ይገብር፡ ኣብ ሓደ ዓዲ፡ ሓደ ፈላስፋ ይቕመጥ ነበረ። ዓይነስዉር ኢዩ ነይሩ። ጸሓይ ምስ ዓረበት እሞ ጸልማት ድማ ምስ ኮነ፡ ፋኑስ (መብራህቲ) ሒዙ ኢዩ ዚዛወር ነይሩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኤለክትሪክ ኣይነበረን።

 

ገለ ዚፈልጡዎ ሰባት ምስ ረኣዩዎ ስሒቖም። ”ኣንታ ጽሉል፡ እንታይ ኪገብረልካ ደኣ`ዩ ፋኑስ ሒዝካ እትዘውር ዘሎኻ፡ ዓይኒኳ ዘይብልካ” በሉዎ።

 

ንሱ ድማ፥ ”ኣነ እርኢ እየ ኣይበልኩን፡ ንስኻትኩም ግን ንርኢ ኢና ኢኹም እትብሉ። ምሸት ምሸት ክጓነጸኒ ዘምሲ ደኣ መን ዲዩ? እምበኣር ከይትጓነጹኒ ኢለ እየ መብራህቲ ሒዘ ዝዘውር ዘሎኹ። እቲ መብራህትስ ንኣኻትኩም ርኢኹምኒ እልይ ንኽትብሉ እየ ሒዘዮ ዘሎኹ እምበር፡ ንኣይሲ ለይትን መዓልትን ሕደ ስለ ዝኾነ፡ መብራህቲ ኣየድልየንን ኢዩ” በሎም ይብሃል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com