Friday , May 3 2024

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ባዕሉ ከሳሲ፡ ባዕሉ ፈራዲ፡ ባዕሉ ቀታሊ

ኣብ ሓደ ገጠር፡ ባይሩ እተባህለ ተቐማጢ፡ ጋሕጋሕ ምድሪ ናብ እንዳ ተኽሊት እተባህለ ዓርኩ ከይዱ ማዕጾ ይኵሕኵሕ።

 

’’መን’’ ይብል እቲ ኣብ ዓራት ዘሎ ተኽሊት።

’’ኣነ እየ ዓርክኻ ባይሩ፡ ክፈተኒ’’

ሽዑ ተኽሊት ጋቢኡ ተጐልቢቡ ነቲ ማዕጾ ይኸፍቶ’ሞ፡ ንባይሩ እንታይ ከም እተጓነፎ ይሓቶ።

”ደሓን ዲኻ! ናይ ደሓን ዲዩ?’’

’’ኣይደሓንን’’

’’ከመይ፡ ኣይደሓንን፡ እንታይ ኢዩ ነገራቱ…. እስከ ንገረኒ፡ ኣይትረበሽ…ህድእ በል..’’

ሽዑ ባይሩ ገበታ እናስተፈሰ ከምዚ ኢሉ ይዛረብ፥

”ኣንታ ተኽሊት ዓርከይ፡ ኣይ ሎሚ ለይቲ እንዲየ እቲ ደመኛይ ገብረማርያም መሲሉኒስ ንመስኪናይ ወልደማርያም ቀቲለዮ….’’

”በስም ኣብ ወልደ መንፈስ ቅዱስ! ነቲ ብኢድካ፡ ነቲ ብኣፍካ፡ እንታይ ገዲፍካ” ኢሉዎ ንግዜኡ ናብ ዓራቱ ተመልሰ ይብሃል።

 

ሞራል፥ ነቲ ሕጊ ኣብ ትሕቲ ኢድካ ወይ ኣብ ትሕቲ ስምዒትካ ኣይተእትዎ፡ ነቲ ዚምልከቶ ኣካል ወይ መንግስቲ ደኣ ግደፈሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com