Saturday , May 4 2024

ሓንቲ ዓለም።ኮቪድ-19፥ ናይ ለውጢ ደወል

ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ ታሪኽ ዓለም፡ ኣብ ዳርጋ ኩሉ ዘመንን መዋእልን፡ ንኺምህር ወይ ዓይኒ ኪኸፍት ዝኸኣለ ፍሉይ ተፈጥሮኣዊ ፍጻመታት ተራእዩ እዩ። ንብድሕሪ ሕጂ እውን ኪቕጽል እዩ። ከም ኣብነት፡ ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ከቢድን ሰፊሕን ኲናት፡ ናይ ምስፍሕፋሕ ወራር፡ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ደርቅን ጥሜትን፡ ለበዳ፡ ወዘተ። ብወገን ፍልጠት እንተ ርኢና ድማ፡ ዓበይቲ መምህራንን፡ ሊቃውንትን፡ ፈላስፋታትን፡ መንፈሳውያን መምህራንን፡ ንኣእምሮ ሰብ ዚልውጥ ሓድሽ ትምህርትን ግንዛበን ኣመለኻኽታን ኣምጺኦም እዮም።

ከምዚኣቶም ዝመሰሉ ፍጻመታት ወይ ተርእዮታት ወይ ፍልስፍናታትን ግንዛበታትን፡ ንወዲሰብ ህድእ ኢሉ ኪሓስብን፡ ነቶም ንዘመናት ሒዙዎም ዚጎዓዝ ዝነበረ ኣምራትን ዶግማታትን ዳግማይ ኪምርምሮምን፡ ነቶም ዚኽተሎም ዝነበረ ኣገባባትን ኣካይዳን ኣተሓሳስባን ድማ ንኺቕዪሮም ኣኽኢሎምዎ እዮም። ስለዚ ድማ ተታኺሱ ዝነበረ ኣእምሮ ይበራበር። ጸልሚቱ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ይበርህ። ዝሓልም ዝነበረ ሰብ ይነቅሕ። እቲ ኣብ ናይ ማሪትን ድንቁርናን መቓብር ተፈሪዱ ዝነበረ ልቦና ድማ ይትንስእ።

ተንሲኡን ተበራቢሩን እንተ ተለወጠን እንተ ማዕበለን ብኡ ገይሩ ድማ መሰረታዊ ጸገማቱ ምስ ዚፈትሖ ጽቡቕ፣ ካብ ትኻሱን ድቃሱን ምብርባር ብምእባይ በቲ ናይ ቀደም ባህርያቱን ኣረኣእያኡን ምስ ዚቕጽል፡ ወይ ድማ ነቲ ኩነታት ብስስዐን ኣነነትታውን መገዲ ምስ ዚጥቀመሉ ግን ኣብ መወዳእታ ናብ ዝኸፍአ ጸገምን መከራን እዩ ዚኣቱ።

ኣብ ኤውሮጳ፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ሓደ-ሲሶ ህዝቢ ዘጥፈአ ለበዳ፡ ነቲ ኣቃውማን ኣተሓሳስባን ሕበረተሰብ ቀዪሩዎ እዩ። ቁጠባዊ ስርዓት ተዘናቢሉ። ድኻታት ዝነበሩ ሃብቲሞም። ሃብታማት ዝነበሩ መሰረቶም ተነቓኒቑ። ገለ ሃገራትን ከተማታትን ባዲመን፡ ገለ ድማ ዓሚረን።

እኽሊ ምስ ሸመትካሞ ሒዝካዮ ናብ ገዛኻ ምስ ከድካ፡ ክትጸጽዮን ክትነፍዮን ግድን እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ ብዙሕ ምንቕናቕን ምጽጻይን ምእራይን ምብቋጽን ምንፋይን የድልየካ። ኣብ ዓለምና ዚመጽኡ ዓበይቲ ጸገማትን ብድሆታትን ድማ ብተመሳሳሊ መገዲ ነቲ ሕብረተሰብ ዓለም ይነቓንቑዎ ይጸጽዩዎን ይብቍጽዎን ይነፍዩዎን እዮም።

ሓደ ነገር ብዘይ ምንቕናቕ ንነዊሕ ግዜ ተዓቚሩ ምስ ዚነብር፡ ማይ እንተ ኾይኑ ይጨኑ ወይ ይስብብ። እኽሊ እንተ ኾይኑ ይነቅዝ። እንጌራ እንተ ኾይኑ ድማ ይዕሱ ወዘተ።

ብዙሕ ዓመታት ይገብር፡ ሓንቲ ኩሉ ግዜ ዝዝክራ ፊልም ርእየ ነይረ። እታ ፊልም ብዛዕባ ካብ ህዋ እናተወንጨፈ ናብ መሬት ዚመጽእ ክንዲ ሜዳ-ኩዕሶ ስፍሓት ዘለዎ ደንጎላ እያ እትትርኽ። ንሱ ጌና ርሑቕ ከሎ ብተለስኮፕ ስለ እተሰለየ፡ ዓለም ክትምክቶ ግዜ ነይሩዋ። ግን ከኣ ነዚ ኪገብራ ዚኽእላ ዝነበራን እኹልን ብቑዕን ተክኖሎጂ ዝነበረንን፡ ሩስያን ኣመሪካን ጥራይ እየን ነይረን። ክልቲኣተን ሓቢረን ነቲ ደንጎላ ብኑክለሳዊ ተወንጫፊ ገይረን ኣንፈቱ ከም ዚልውጥ ኪገብራኦ ቀሊል እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ኣመሪካን ሩስያን ከም ሓውን ሓሰርን እየን ነይረን።

ይኹንምበር፡ እቲ ደንጎላ ንዓለም ከጥፍእል ዚኽእል ሓይሊ ስለ ዝነበሮ፡ እዚ ድማ ንኣመሪካን ንሩስያን ናይ ምንባር ሕቶ ብምንባሩ፡ ክልቲኣተን ጽልአንን ትዕቢተንን ውሒጠን ብናይ ሓባር ስልትን ምክልኻልን ነቲ ደንጎላ ኣንፈቱ ለዊጡ ናብ ካልእ ቦታ ከም ዚዕዘር ገይረንኦ።

እዚ ሕጂ መጺኡና ዘሎ ቫይረሳዊ ደንጎላ፡ ብዓይኒ ሰብ ዘይረአ እኳ እንተ ኾነ፡ ነተን ብኑክለሳዊ ኣጽዋር ዚምክሓ ሃገራት ከይተረፈ ኣርዒዱወን ይርከብ ኣሎ። ኮቪድ-19፡ ነቲ መሰረት ዓውለማዊ ቁጠባውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ከምኡውን መንፈሳውን ቅርጽታት ኣነቓኒቑዎ ይርከብ ኣሎ። ቀጺሉ’ውን ነቲ ናይ ወድሰብ ትዕቢታዊ ኣነነትን ትምክሕትን ኪብድሆ ንርእይ ኣሎና።

ብኣጽዋረንን ሃብተንን ዚምክሓ ዝነበራ ሃገራት ስግኣት ኣትዩወን። ብጽንፈታዊ ሃይማኖትነት ዝዓወራ መንፈሳውያን ትካላትን ውድባትን ማሕበራትን ኣብ ናይ ቅልውላውን ስግኣትን ድንግርግርን ዓዘቕቲ ተተኺለን የዕገርግራ ኣሎዋ። እቲ ተልእኾአን ኣብ ስሰዐን ፈላላይነትን ህርፋንን ብርቱዕ ናይ ሃብቲ ባህግን እተመርኮሰ ብምዃኑ፡ ብመሰረተን ከኣ ናይ ሓቢርካ ምስራሕን ናብ ወድሰብ ዝዓለመ ሓፈሻዊ ጽቡቕን ሰናይ መነባብሮን ድሌትን ዕላማን ስለ ዘይብለን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይካ ዝንቡዕ ተስፋ ምሃብን ምሕላምን ካልእ ኣበርክቶ ኪገብራ ኣይተራእያን።

ዓለም፡ ናይ ኣመሪካ ወይ ናይ ሩስያ ወይ ናይ ቻይና፡ ወይ ናይ ሓደ ሃይማኖት ወይ ናይ ሓደ ርእዮተዓለም ሕዛእቲ ኣይኮነትን። ዓለም ናይ ምድራውያን እያ፡ ዓለም ናይ ነበርታ እያ። ከነድሕና እንተ ዄንና፡ ኩሉ ፍልልያትናን ስስዕትናን ከንቱ ሕልምታትናን ደርቢና ሓደ ዕላማ ሒዝና ክንሰርሕ ይግበኣና። እዚ ምስ ዘይከውን፡ ጥፍኣት ኢና ንዕድም ዘሎና።

ብዘይካ ሓድሓደ ነዛ ዓለም ከም ትራንዚት ኪጥቀሙላ ዝደልዩ ትሑት ምስትውዓል ዘለዎም (low level of consciousness) ኣመንትን ሓለምትን ግን፡ ዓለም ደቃ ሒዛ ንኽትጠፍእ ዚምነዩ ጥዑያት ሰባት ዘለዉ ኣይመስለንን።

ኮሮናቫይረስ፡ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ብምድዋል፡ ኣድላዪነት ሕብረት ወድሰብ ዚሰብኽ ዘሎ ይመስል። ኪርህው ግዲ ኮይኑ፡ ወድሰብ ነቲ ህሩፍን ገባትን ኣነነቱ ብምድርባይ ጥራይ፡ ካብዚ ለበዳ’ዚ ኪገላገል ከም ዚኽእል ዝተረደኦ ይመስል ኣሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም እውን ነዚ ርእይቶ እዚ ኣቐዲሙ ከቃልሖ ጸኒሑ እዩ።

ምናልባት ነዚ ሕጂ ዘሎ ብድሆ፡ ገባቲ ባህርያትናን ስሱዕ ኣነነትናን ከይለወጥና፡ ንሕብረትን ተሳኒኻ ንምንባርን ንድሕሪት ብምድርባይ፡ ብሽጣራ መገዲ ክንሓልፎ ንኽእል ንኸውን ኢና፣ ይኹንምበር፡ ጌና ከም ኮቪድ-19 ዝመሰሉ ለበዳን ካብኡ ዚብርትዑን ተፈጥሮኣውን ሰብስርሖን ሓደጋታትን ኪቕልቀሉ ከም ዚኽእሉ ክንርስዕ ኣይግባእን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com