Friday , May 3 2024
The E10 is one of many roads in Northern Norway that have been closed due to bad weather. Foto: Statens vegvesen / NTB

ሓያል ንፋስ – ኣውቶቡሳት ካብ መንገዲ ተጸፊዐን ተኣልየን

ብሰንበት ንጉሆ፡ ኣብ ሰሜን ኖርወይ: ክልተ ኣውቶቡሳት ብሰንኪ ሓያል ንፋስ፡ ካብ መንገዲ ወጻኢ ከምዝተደፍኣ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ከቢድ ጉድኣት ከም ዘይበጽሐ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እታ ሓንቲ ኣውቶቡስ ኖርድላንድ፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሃድሰል (Hadsel) መተሓላለፊ ጎዳና E10 ሜሪላንድ ኣብ ዝባሃል ቦታ ኣብ ዝርከብ ጉድጓድ ከምዝኣተወት ተፈሊጡ።
“ምስቲ መራሒ ኣውቶቡስ ርክብ ነይሩና። ጸፍዒ ንፋስ ነታ ኣውቶቡስ ካብ መንገዲ ኣውጽዩዋ። 22 ተሳፈርቲ ነይሮም ኣብ ውሽጢ። ክልተ ካብዚኦም ናይ ርእሲ ወይ ድማ ክሳድ ቃንዛ ከምዘጓነፎም ይዛረቡ” ይብል ካብ ፖሊስ ዝተረኽበ ናይ ትዊተር መልእኽቲ።
እታ ኣውቶቡስ ብጎና ተገልቢጣ ስለዝወደቐት እቶም ወትሩ ዘገልግሉ ማዓጹ ምኽፋት ኣይተኸኣለን። እቶም ተሳፈርቲ፡ ነቶም ናይ ህጹጽ መውጽኢታት መዓጹ ተጠቂሞም ክወጹ ይኽእሉ እንተነበሩ እኳ፡ ካሊእ ኣውቶቡስ መጽያ ክሳብ እትወስዶም ኣብ ውሽጢ ክጽበዩ ዝሐሸ ከምዝኾነ ከምዝተነግሮም ተሓቢሩ።
ሰዓት 11 ናይ ንጉሆ ቁሩብ ሕልፍ ምስበለ ድማ፡ እታ ክትወስዶም ዝተለኣኸት ኣውቶቡስ መጽያ ካብቲ ቦታ ከምዝወሰደቶም ካብቶም ነቲ ጉዳይ ዝምርምሩ ዝነበሩ ፖሊሳት ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
 እታ ሓንቲ ኣውቶቡስ ድማ ካብቲ ከተማ ንገጽ ደቡብ ቁሩብ ርሕቕ ኢላ ኣብ ትርከብ ሃማሮይ (Hamarøy) ኣብ ትባሃል ምምሕዳር ከተማ በቲ ንፋስ ተደፊኣ ካብ መንገዲ ወጻያ ከምዝተረኸበት ተፈሊጡ። እቲ ዘዋሪ ኣውቶቡስ ንበይኑ ዝነበረ ኾይኑ፡ ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ከምዘይበጽሐ ተፈሊጡ።
 እቲ ኩነታት ኣየር ኣዝዩ ሕማቕ ስለዘሎን ብዙሓት መንገድታት ድማ ተዓጻጽዮም ብምህላዎም፡ ነበርቲ ኖርድላንድ ጥንቃቐ ክገብሩ ተነጊሩዎም ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ሄልየላንድ፣ ሳልትፍየለት፣ ሳልተን፣ ኦፎቴን ኮምኡ’ውን ትሮምስ ተባሂለን ዝፍለጣ ቦታታት ሓያል ንፋስ ከተኣናግዳ ምዃነን መጠንቀቕታ ክበጽሐን ተገይሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ንፋስ ድሕሪ ቐትሪን ኣማስዩኡን ክሃድእ ትጽቢት ከምዘሎ ተሓቢሩ’ሉ።
ብተወሳኺ ‘ውን ኣብ ሰሜንን ኣብ ዝተወሰነ ደቡባዊ ክፋል ናይ ኖርወይን ናይ በረድ መደረጋሕ ሓደጋ ከምዘሎ ተሓቢሩ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com