Friday , May 3 2024

ሓደ መምህር፡ ብተማሃሮኡ ተመሪዙ ከይከውን ይጥርጠር

ተማሃሮ ናይ ሓንቲ ኣብ ምምሕዳር ማርክ እትርከብ ቤት ትምህርቲ፡ ንሓደ መምህር ምሪዞሞ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጋዜጣ ቦሮስ ቲድኒን ( Borås Tidning) ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብቲ ናይቲ መምህር መስተይ ማይ፡ ገለ ተወሰኽቲ ኬሚካላዊ ቀመማት ተረኺቦም ከምዘለዉ፡ መባእታዊ ሓበሬታ ረኺብና’ኳ እንተሃለና፡ ዝያዳ ውጽኢት ናይቲ መርመራ ንጽበ ኣለና ክብል ካብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ’ቲ ከባቢ፡ ጉስታፍ ላንዝ፡ ነታ ጋዜጣ ሓቢሩ።

ኣብዛ ቤት ትምህርቲ ዝርከቡ ተማሃሮ፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ይኹን ኣብ ልዕሊ መምህራኖም ኣኽብሮት ስለዘይብሎም፡ ከበድቲ ብድሆታት እዮም ዘጋጥሙና ክትብል ሓላፊት ኦፐረሽናት፡ ካሮሊን ኤክበርግ፡ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com