Sunday , May 5 2024

ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ጠበቃታት ሽወደን ሎሚ ኣብ ማእከል ከተማ ስቶኮልም ተወጊኡ።

ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ዝኾነን ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ገበናት ዝተጣበቀን ኣዝዩ ንፍዕ ምንባሩ  ዝተኣመነሉ ጠበቓ ሎሚ ንግሆ ናብ ስርሑ እንዳኸደ ከሎ ዛጊት መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ኣብ ጥቃ ገዝኡ ብጥይት ተወጊኡ። እዚ ኣብ ማእከል ከተማ ስቶኮልም ከባቢ ኩንግስ ሆልመን ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ውሑስን ናብ ኩሉ ኣባያተ ጽሕፈት መንግስቲ ተኺቢቡ ዝርከብ ከባቢ ብሙኻኑ ንቡዝሓት ኣገሪሙ ይርከብ።

ነዚ ፍጻሜ ዝሓበረት ናብ ስርሓ ትከይድ ዝነበረት ኮይና ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ምርመራ የካይዱ ከምዘለዉን ግዳይ ድማ ናብ ሕክምና ከምዝተወስደ ሓቢሮም። እዚ መጥቃቲ ምስቲ ኣብ ቡዝሓት ከባብታት ብ ውድባት ገበነኛታት ዝካየድ ዘሎ መቕተልቲ ምትእስሳር ከይሃለዎ ከምዘይ ተርፍ ይሕበር ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com