Thursday , May 2 2024
A 10-year-old boy in Cranston, Rhode Island, is vaccinated against COVID-19. (AP Photo/David Goldman) RIDG104

ሓደ ካብ 10 ህጻናት ኣሜሪካ፡ ቀዳማይ እብረ ክታበት ወሲዶም

10% ካብቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 5 ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣሜሪካውያን፡ ቀዳማይ እብረ ክታበት ኮቪድ-19፡ ብክታበት ፋይዘር – ብዩንቴክ ከምዝተኸትቡ ዋይት ሃውስ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት፡ ኣስታት 2,6 ሚልዮን ኣሜሪካውያን ህጻናት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝተኸትቡ ኣብ ዋይት ሃውስ፡ ኣወሃሃዲ ክታበት ዝኾነ፡ ጄፍ ዚየንትስ፡ ገሊጹ።

መጠን ብዝሒ ናይዞም ዝተኸትቡ ህጻናት፡ ምስቲ ቅድሚ 11 ኣዋርሕ ዝጀመረ መስርሕ ክታበት ናይ ልዕሊ 16 ዓመት ዝኾኑ መንእሰያት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝልዕል ተገሊጹ።

እቶም ኣብዚ ሰሙን’ዚ ቀዳማይ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ ህጻናት፡ ድሕሪ ሰለስተ ሳምንታት፡ ማለት፡ ኣብ እዋን ክሪስትማስ፡ ካልኣይ እብረ ክታበት ክኽተቡ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com