Saturday , May 4 2024

ሓደ ዲፕሎማት ኢራን ብስለያ ይጥርጠር

Credit: Janerik Henriksson/TT

ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን “ሳፖ”፡ ኢራን ብጒልባብ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ናብ ሽወደን ብተደጋጋሚ መኮንናት ስለያ ከም ዝለኣኸት ከም ዝጥርጥር ገሊጹ። ሓደ ካብዞም ኣብ ስለኣዊ ንጥፈታት ከም እተዋፈሩ ዝጥርጠሩ ዲፕሎማሰኛታት ወግዓዊ ዕማማቱ ጉዳይ ባህሊ ምዃኑ ዝተገልጸ ሰብ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ን ሳፖ ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ። እዚ እናኾነ ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ሽወደን ኣብ ልዑል ደረኣ ክጸንሕዩ ተባሂሉ። ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ሽወደን ኣብ 2024 ልዑል ኮይኑ ክቕጽል ምዃኑ ትካል ሃገራዊ ማእከል ገምጋም ስግኣት ግብረሽበራ ኤንሲቲ ሽወደን ድሕሪ ዘካየዶ መርመራ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ፡ ሓያሎ ኣህጉራውያን እስላማውያን ጉጅለታት ንሽወደን ቀዳማ ዕላማ መጥቃዕቶም ክገብርዋ ምዃኖም ድሕሪ ምግላጾም ፡ ደረጃ ስግኣት ካብ ሰለስተ ናብ ደረጃ ኣርባዕተ ብሓሙሽተ ደረጃታት ክብ ኢሉ’ሎ። ሓላፊት ኤንሲቲ ኣን-ዛ ሃግስትሮም ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ብዛዕባ ግብረሽበራ ገና ዘይርጉጽነት ከምዘሎ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com