Friday , May 3 2024
U.S. President Joe Biden (Phil Noble/Pool Photo via AP) TKSJ702

ሓድሽ ብድሆ ባይደን . . . መሰል ምርጫ

ክልቲአን ሰልፊታት ኣመሪካ፡ ዲሞክራትን ሪፓብሊካንን ኣብ ጒዳይ ዴሞክራሲን መስርሕ ምርጫ እታ ሃገር፡ ተመሳሳሊ ተገዳስነት እኳ እንተሃለወን ኣብ ምትንታን ዘለዉ ሽግራትን መፍትሒኦምን ዝተፈላለየ ኣቀራርባ እዮም ዝኽተሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝነበራ ስቴታት ኣመሪካ፡ ጽንክር ዝበለ ሕጊታት ምርጫ ድሕሪ ምትእትታወን፡ ኣብ ዋሺንተን ዝርከቡ ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራትስ፡ ኣብ ምርጫ ሰፊሕ ጽገናታት ክግበር ክጠልቡ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ።

ብሰሉስ፡ ፕረዚደንት ባይደንን ምክትል ፕረዚደንት፡ ካሚላ ሃሪስን፡ ኣብ ስቴት ጆርጆያ እዚ ሕጋዊ ጽገናታት ንምትእትታው ገለ ስጒምቲታት ምክያዶም ዝሓበረ ቢቢሲ፡ እዛ ስቴት፡ ተመረጽቲ ዝበርትዐ ውድድር ዘካይዱላ ኣብ ልዕሊ ምዃና፡ ብሪፓብሊካን ዝድገፉ ሰፋሕቲ ናይ ምርጫ ጽገናታት ዝካየደላ ዘሎ ምዃና ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com