Monday , May 6 2024
CORONAVIRUS ILLUSTRATION Illustration Stefan Hörberg/Rithuset / Handout / kod 10500 **OBLIGATORISK BYLINE: Stefan Hörberg/Rithuset / ** **Endast för redaktionell användning. Bilden kommer från en extern källa och distribueras i sin ursprungliga form som en service till våra abonnenter**

ሓድሽ ኣፍሪቃዊ ጅር (ዓሌት) ቫይረስ ኮሮና ሻቕላ ይፈጥር

ምምጻእ ሓድሽ ኣፍሪቃዊ ጅር ቫይረስ ኮሮና ብመጽንር ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እታ ኣህጒር ዘኸተሎ መጠን መልከፍትን ሞትን ዓብዪ ሻቕላ ፈጢሩ ምህላዉ ክኢላታት ገሊጾም።

ብውሕዱ 40 ሃገራት ብፍላህ ድማ እተን ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣህጒር ኣፍሪቃ  ዝርከባ ካልኣይ ማዕበል መልከፍቲ ከም ዘጋጠመን ትካል ማእከል ምቊጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።

“እዚ ሓድሽ መልከፍቲ ምስ ምምጻእ እቶም ብቐሊሉ ዝላበዱ ጅራት እቲ ቫይረስ ዝተተሓሓዘ እዩ” ድማ ተባሂሉ።

እዚ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ፥ ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ መልከፍቲ የስዕብ ኣሎ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ’ሎ።

ብዘይካ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እዚ ሓድሽ ጅር ኣብ ሃገራት ጋና፥ ኬንያ፥ ኮሞሮስ፥ ዛምቢያ፥ ሞዛምቢክን ታንዛንያን እውን ከም እተራእየ ቢቢሲ ሓቢሩ። ናብ ካልኦት ሃገራት እታ ኣህጒት ተባጺሑ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምታት ከም ዘሎ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ እዚ ጅር  ቫይረስ ብቐሊሉ ናይ ምልባድ ባህሪ ኣለዎ ኢሉ።

እዚ ጅር ከምዚ ዝተጠቕሰ ዓይነት ባህርያት ይሃልዎ እምበር ካብቲ ንቡር ቫይረስ ብዝተፈልየ ዝኸፍአ ሕማም ዘኸትል ኣይኮነን እውን ተባሂሉ ኣሎ።

እቲ ናይ ኦክስፎርድ ኣስትራ ዜነካ ጸረ ኮሮና ክትባት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እኳ እንተመጸ ኣብ ምክልኻል እቲ ሓድሽ ጅር ዘኸትሎ ሕማም ውሑድ ውጽኢታውነት ጥራይ ከም እተረኽቦ ሓድሽ መጽኛዕቲ ኣመልኪቱ። እዚ ብ ዩኒቨርሲቲ ዊትዋተርስራንድ ዝተገብረ መጽናዕቲ እቲ ክትባት ኣብ ምክልኻል ዝያዳ ተጓዳእቲ ጅራት እቲ ቫይረስ ዘለዎ ውጽኢታውነት ከም ዘይመርመረ እውን ተገሊጹ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ካልኣይ ጠርዚ መልከፍቲ ቊጽሪ ሓደስቲ ሕሙማት ከንቈልቊል ጀሚሩ’ሎ ተባሂሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com