Friday , May 3 2024

ሓድሽ ድልድል ዮቶቦሪ፡ ከቢድ ጉድለት ተረኺብዎ

ኣብ ልዕሊ ፈለግ ዮታ (Göta River) ተዘርጊሑ ዝርከብ ሓድሽ ድልድል ዮቶቦሪ፡ ከቢድ ናይ ንድፊ ጉድለት ስለ ዝተረኽቦ፡ ካብቲ ተመዲቡ ዝነበረ ናይ መኽፈቲ ግዚኡ፡ ክናዋሕ ከምዝኸኣለ ጋዜጣ ዮቶቦሪ ፖስተን ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ሓደ ካብቶም ነቲ ድልድል ተሰኪሞም ዘለዉ ዓንድታት፡ ቅርጹ ከምዝቐየረን፡ እዚ ምልክት ድማ፡ እቲ ድልድል፡ መካይንን ኣውቶቡሳትን ክስከም ከምዘይክእል ዝሕብር ብምዃኑ፡ ካብቲ ተመዲብዎ ዝነበረ ናይ መኽፈቲ ዕለት፡ ማለት ግንቦት 9: ናብ ዘይተወሰነ እዋን ምንዋሑ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ቅርጺ ምቕያር ኩነታት፡ ክሳብ ክንደይ ነቲ ድልድል ዝጸልዎ ምዃኑ ምጽናዕን ምምርማርን እዩ ክብል ሓላፊ ፕሮጀክት፡ ክሪስተር ኒላንድ፡ ምስታ ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ። እቲ ኩነታት ከም ሽግር ኮይኑ እንተተረኺቡ ድማ፡ ብቐጥታ ድዩ ወይስ ጸኒሕና ክንጽግኖ ከም እንኽእል ውን ክንግምግም ኢና ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

መኽፈቲ ዕለት ናይቲ ድልድል፡ ዝቕጽል ሰኑይ ዕለት 03 ግንቦት ክሕበር ምዃኑ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com