Friday , May 3 2024
Ylva Johansson, Eu commissioner for home affairs. (Stephanie Lecocq, Pool via AP) VLM125

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንቁጽጽር ዶባት ኪከታተሎ ይደሊ ከምዘሎ ሓቢሩ

ኣብ ዝመጽእ ግዜ፡ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ብለበዳ ወይ ቅልውላው ፍልሰት ኣብ ዝጥቃዓሉ እዋን፥ ኣብ ዶባተን ዘጋጥም ሕንፍሽፍሽን ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮጳ ዘሎ ዕጹው ርክባትን ክውገድ ይግባእ ክብል ኤውሮጳዊ ኮሚሽን ከምዘዘኻኸረ፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡

ስለዚ ኮሚሽን ኤውሮጳ፡ ኣብ ውሽጢ ክሊ ኣባላት ሃገራት ሸንገን፡ ምትሕብባር ንምፍጣር ተኸታታሊ ናይ ምተዕርራይ እማመታት የቕርብ ኣሎ፡፡ ገለ ካብኡ ኻኣ፥ ንኣብ ግዝያዊ ጉዕዞ ዝግበር ቀይድታት ኣብ ምድላው ምትሕብባርን ምስ ስደተኛታትን ዑቕባ ዝሓቱ ሰባትን ኣብ ዝተሓሓዙ ጉዳያት፡ ነየናይ ሕጊ ምጥቃም ከም ዝከኣል ምርግጋጽን ዝብሉ የጠቓልል፡፡

ኣባላት ሃገራት፡ ነቲ ዘጋጥመን ዘሎ ብደሆታት ንኽገጥማ ኣድላይ ዘበለ መሳርሒታት ከምዝወሃበንን ንናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዶባት ድማ ብሓባርን ብዝግባእ ከነማሓድሮን ምዃንና ቃል ንኣቱ ክትብል ኮሚሽነር ውሽጣዊ ጉዳያት ዝኾነት፡ ይልቫ ዮሃንሰን፡ ኣብ ዘውጽአቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ፡፡

እዚ ተኣሚሙ ዘሎ ስጉምታት፡ ነቲ ለበዳ ኮቪድ-19 ምስ ጀመረ ኣብ ውሽጢ ሕብረት- ኤውሮጳ ዘጋጠመ ናይ ውሽጣዊ ዶባት ምዕጻው መሰረት ብምግባር ዝተወሰነ ኮይኑ፡ ንምስ ቤላሩስ ዘዋስኑ ዶባት ሃገራት ሕብረት- ኤውሮጳ ዝኣመሰለ ጉዳያት ምላሽ ንምሃብ ዝዓለመ ምዃኑ ውን ብተወሳኺ ተፈሊጡ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com