Friday , May 3 2024
Foto: Stina Stjernkvist / TT kod 11610

ሕጊ ኢሚግሬሽን ሽወደን ይተርር።

ብመስረት እቲ ኣብ ዝመጽእ ሓምለ 20 ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ዝተኣታቶ ሓድሽ ሕጊ ኢሚግሬሽን
ሽወደን እቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ዝነበረ ሕጊ ክትካእ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ብ ሰልፊ ማሕበራዊ
ዴሞክራሲ ዝተኣታተወን ኣብ ሚያዝያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብባይቶ ሽወደን ዝጸደቐን ኣዋጅ ኢሚግሬሽን ነቲ
ሽዑ ዘጋጠመ ዘይንቡር ልዑል ቊጽሪ ሕቶ ዕቚብ ምኽንያት ብምግባር ዝወጸ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

ሓደ ክፋል ናይዚ ሕጊ ንኣብነት ንፍቓድ መንበሪ ስደተኛታት ብግዜ ዝውስን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ናይ ሽወደን ወይ
ዜጋታት ሃገራት መሻርኽቲ ቊጠባ ኣውሮጳ ዝኾኑ ሰባት መጻምዶም ናብ ሽወደን ንኸምጽኡ ናይ ቤተሰብ
መእለዪ ረቛሒታት ከማልኡ ዝሓትት እዩ።
ዛጊት ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ፍቓድ መንበሪ መመልከቲ መልሲ ዘይተዋህቦም ዘበሉ ሕቶኦም መኣስ ኣእትዮሞ
ንዘየገድስ ጒዳዮም በዚ ሓድሽ ሕጊ ኣቢሉ ክረአ ምዃኑ እቲ ኤጀንሲ ወሲኹ ኣብሪሁ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com