Friday , May 3 2024

ሕግታት ኣከዳድና ሳውና ክትዓት የለዓዕል

ኣብ ሽወደን ኣዝዩ ፍቱው ኣብ ዝኾነ ህዝባዊ ኣገልግሎት ሳውናታት፥ መሕጸቢ ክዳን ክፍቀድ ኣለዎዶ የብሉን ዝብል ክትዕ ኣብ ህዝቢ ምምቕቓል ርእይቶ ፈጢሩ’ሎ። ዓቃባውያን ባእታታት ዕርቃንካ ሳውና ምጥቃም ክፍቀድ ኣለዎ፥ ኣድላዪ እንተኾይኑ ኸኣ ንእሽቶ ሽጎማኖ ምጥቃም ይከኣል እዩ ኢሎም ክምጉቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ግና ክዳን መሐንበሲ ምጥቓም ቅቡል እዩ ክብሉ ተሟጊቶም ኣለዉ። ፍሪላንስ ጋዜጠኛ ከምኡ’ውን ከምኡ’ውን ኣባል ኣካድሚ ሳውና ሌና ካርነ ምኽዳን መሐንበሲ ክዳን መበቆላዊ ያታ ኣይኮነን እንተኾነ ግና መሀንበሲ ክዳን ክወድዩ ጸገም የብሉን ትብል። ካብ 3ይ ሰሙን ልደታ ኣትሒዛ ሳውና ምጥቃም ዝጀመረት ከምኡ’ውን ኣብ ዩኒቨሪስቲ ኡፕሳላ ፕሮፌሰር ካልቸራል ኣንትሮፖሎጂ ዝኾነት ኣኒካ ካትፖ ግና ዕርቃንካ ሳውና ምግባር ጸገም ከም ዘይብሉ፡ ምናልባት ክልቲኡ ጾታ ተሓዋዊሱ እዚ ገልግሎት ኣብ ዝውስደሉ ቦታታት ግን ከም ሽጎማኖ መሳሊ ጨርቂ ምኽዳን ኣድላዪ እዩ ኢላ ከም እትኣምን ገሊጻ’ላ። ኣብ ሳውና ከም ብርቱኻን ዝኣመሰለ ፍረ ምብላዕ ከም ዝዝውተር እንተኾነ ግና ውጽእ ኢልካ ምብላዕ ዝሓሸ ምዃኑ ዝገለጸት ኣኒካ፡ ምስ ዘይትፈልጦም ሰባት ዕላል ንምኽፋት ሳውና ዝበለጸ ቦታ እዩ ትብል።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com