Thursday , May 2 2024

መምርሒታት ማሕበራዊ ምትእኽኻብ፡ እንተተጣሒሱ፡ ናይ ፖሊስ ምትእትታው ክህሉ እዩ

ካብ ትማሊ ዕለት 24/11/2020 ጀሚሩ፡ ብዝሒ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ካብ 8 ሰባት ዘይበዝሕ ዝብል መምርሒ፡ ተግባራዊ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ሰባት፡ ነቲ ዝለመድዎ ቅዲ መነባብሮ ይቕይሩ ምህላዎም ይረኣየካ ዝበለ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ሕብረተሰብና ምስ ኮሮና ምንባር ይለማመዶ ምህላዉ ጽቡቕ ምልክት እዩ ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ክንገብሮም ዝግባኣና መሰረታውያን ነገራት፡ ምስ ካልኦት ሰባት ንራኸበሎም ኣጋጣሚታት ብምውሓድ፡ መምርሒታት ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ምትግባር እዩ። መምርሒታት ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ምስ ዝጠሓሱ ግን፡ ናይ ፖሊስ ምትእትታው ክህሉ እዩ ክብል ዳምቤሪ ወሲኹ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ንበዓል ልደት ብዝምልከት፡ ቤተ ክርስትያናት፡ ካብ 8 ብዘይበዝሑ ኣባላት ጌረን ሙዚቃዊ ጽምብላት ብመንገዲ ኢንተርኔትን ሬድዮን ኣቢለን ነቲ በዓል ከኽብራ እንተ ዘይክኢለን፡ ናይዚ ዓመት’ዚ ጽምብል ክተርፍ ከምዝኽእል፡ ዳምቤሪ፡ ገሊጹ።  

ብምኽንያት በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ንዝግበር ምትእኽኻብ ኣመልኪቱ፡ ዳምቤሪ፡ ቅድሚ ግዚኡ ውሳኔ ክንህበሉ ኣይንኽእልን ኢና። ናይዚ ጉዳይ ሓላፍነት ወሲዱ፡ ንኹነታት ለበዳ ገምጊሙ፡ ናይ ምትእኽኻብ ብዝሒ ዝውስን ኣካል፡ በዓል መዚ ጥዕና እዩ ክብል ዝረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com