Wednesday , May 1 2024

መረጽቲ ሽወደን “ክሊማ”፡ “ቓዛ” ን “ስደት” ን ቀዳምነታት ዝህብዎም ዛዕባታት ይኾኑ

Credit: Alex Maxia / Sveriges Radio

ምርጫ ባይቶ ኤውሮጳ ኣብ ሽወደን ድሕሪ ክልተ ወርሒ 9 ሰነ ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ። ጎስጓስ ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ሽወደን ንመረጽቲ ዘገድሱ ጉዳያት እንታይ እዮም ዝብል ዛዕባ ብምልዓል ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዮተቦሪ ንዝርከቡ ሰባት ሕቶታት ኣቕሪባ’ላ። ዝበዝሑ ካብዞም ተሓተትቲ ምርጫ ክግበር ምዃኑ ከም ዝፈልጡ እቲ ልክዕ ግዜ ግና ኣነጺሮም ከም ዘይፈልጥዎ እዮም ዝገልጹ። እዞም ተሓትተቲ ኲነታት ጸጥታ፥ ኣብ ቓዛ ዘሎ ሰብኣዊ ኲነታት ከምኡ’ውን ጒዳያት ኢሚግሬሽንን ኣከባቢን ብብዝሒ ዘገድስዎም ዛዕባታት ምዃኖም ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጾም ኣለዉ። እዚ እናኾነ ምርጫ ኤውሮጳ ንምቅላስ ዕላምኡ ዝገበረ ሓድሽ ሽወደናዊ ሰልፊ ፎክሊስታን ተመስሪቱ። ምርጫ ባይቶ ኤውሮጳ ክልተ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ሽወደን ሓድሽ ሰልፊ ተመስሪቱ ኣሎ፡፡ ፎክሊስታን ትርጒሙ ህዝባዊ ዝርዝር ማለት እዩ። ከም እኒ ሳራ ስካይተዳል፡ ቅድሚ ሕጂ ንክርስትያን ዲሞክራት ዝውክል ዝነበረ ኣባል ባይቶ ኣባል ባይቶ፡ ከምኡ ውን ያን ኣማኑኤል፡ ኣባል ባይቶ ሶሻል ዲሞክራት ነበርን ወናኒ ትካል፥ ከምኡ’ውን ካልኦት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓምላይ ሰልፍን ሰልፊ ሞደራትን መብዛሕትኦም ፍሉጣትን ንጡፋትን ኣባልት እዮም። ንሳቶም ካብ ሰልፊ ንላዕሊ ‘ምትሕብባር’ ዝብል ስም ዝያዳ ከም ዝመርጹ እዮም ዝገልጹ። እዞም ጒጅለ ክልተ እማመታት ሒዞም ቀሪቦም ኣለዉ። እዚኦም ድማ መሰል ምሕታት ዑቕባ ክስረዝ፥ ውዕል ኣባልነት ሽወደን ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ኸኣ ዳግማይ ናብ ዘተ ክቐርብ ዝብሉ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com