Thursday , May 2 2024

መራሒ ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትና፡ ካብ ስደተኛታት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክሰሓብ ዝብል ርእይቶ ኣቕሪቡ

መራሒ ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትና፡ ጂሚ ኦክሶን፡ ካብቶም ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ስደተኛታት፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓዶም ክሰሓበሉ ዝኽእል መንገድታት ንኽጽናዕ ድሌት ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ኣብ ህሉው ኩነታት ሽወደን ተሞርኪስና፡ ካብቶም ዑቕባ ዘየድልዮም ስደተኛታት ብዛዕባ ተዋሂብዎም ዝጸንሐ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዳግመ ግምት ክንገብር ኣየኽፍእን እዩ። ንሕጋውነቱ ብዝምልከት ግን መጽናዕቲ ዘድልዮ እዩ ክብል ኦክሰን ምስ ሬድዮ ኢኮት ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትና ኣብ ዘሰላሰሎ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ሰልፊ፡ ሪቻርድ ዮምሾቭ፡ ምስ ጋዜጣ ሲድስቬኒስካ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ተመሳሳሊ ሓሳባት ኣቕሪቡ ከምዝነበረ ይዝከር።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ኣፍጋኒስታናውያን ከም “ስደተኛታት” ዝቑጸሩ ኣይመስለንን። ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ድማ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንኽሰሓብ ተኽእሎታት እንተሃልዩ ምንዳይ ከድልየና እዩ ክብል ዮምሾቭ ኣሚቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com