Friday , May 3 2024
Credit: Johan Nilsson/TT/Sveriges Radio

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ SAS ሓድሽ ኮንሰርትዬም ዋንነት ይእውጅ

ዓብዪ ፋይናንሳዊ ጸገም ኣጓኒፍዎ ዘሎ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ፡ ምስ ኤር ፍራንስ-ኬ ኤል ኤም፡ መንግስቲ ዴንማርክን ክልተ
ናይ ወፍሪ ትካላትን ዝበዝሑ ሰብ ብርኪ ዝኾኑሉ ሓድሽ ኮንሶርትየም ዋንነት ኣዊጁ። መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ካብ ዝምስረት
ንደሓር ንመጀመርታ ግዜ መንግስቲ ሽወደን ዝጸንሖ ክፋል ዋንነት ከብቅዕ እዩ ማለት እዩ። ወሃቢ ርእይቶ ቁጠባ ሬድዮ ሽወደን
ክርስቲያን ኦስትሮም እዚ ስምምዕ ንህላወ እቲ መንገዲ ኣየር ኣድላዪ ምንባሩ ብምግላጽ፡ “ እዚ ስጒምቲ ንመዕርፎ ነፈርቲ
ኮፐንሃገን ካስትሩፕ ብክሳራ ኣርላንዳ ኣገዳስነቱ ከም ዝሕይል ዝገብር እዩ” ክብል ገሊጹ’ሎ።

 

 

Credit: Johan Nilsson/TT/Sveriges Radio

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com