Friday , May 3 2024

መንግስቲ፡ ንቑጽሪ ተሳፈርቲ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ደረት ገይርሉ

ከምቲ ትጽቢት እተገብረሉ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ መምርሒ ንምክልኻል ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ህዝባዊ መጓዓዝያ ደረት ቁጽሪ ተጓዓዝቲ ኣንቢሩ ኣሎ።

ካብ ለካቲት 14 ክሳብ ግንቦት 31 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ካብ150 ኪሜ ንላዕሊ ኣብ ዝኸዳ ናይ ነዊሕ ርሕቀት መጓዓዝያ፡ ፍርቂ ብዝሒ መናብር ጥራይ እዩ ክፍቀድ ክትብል ሚኒስተር ህዝባዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግረን፡ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።

መንግስቲ፡ በቲ ዝተዋህቦ ግዜያዊ ፍቓድ፡ ነቲ ውሳነ ከም ዘሕለፈን፡ ንምዕጋት እዚ ለበዳ ሓድሽ ምኽሪ ንምትሕልላፍ፡ እማመ ከም ዘቕረበን ድም ተፈሊጡ ኣሎ። ሚኒስተር ትሕተ ቕርጺ ቶማስ ኤኒሮስ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዚ ናይ ጒዕዞ ሕጊ ኣብ ውሽጢ ምምሕዳራት ከተማ ንዝህሉ ጉዕዞ ከም ዘይምልከት ሓቢሩ።

በቲ ክትባት ልዑል ተስፋ ዘሕደሩ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ ክትብል ዝገለጸት ሃሊንግረን፡ እንተኾነ ግና፡ ኩነታት ምስፍሕፋሕ ኮሮና ጌና ከምዘይተረጋገአን ምኽንያቱ ሓደስቲ ዓሌታት ቫይረስ ይረኣዩ ብምህላዎምን መጠን ለበዳ ኸኣ ኣብ ዝለዓለ ብራኸኡ በጺሑ ከምዘሎን ሓቢራ። ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ድማ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ክባራዕን ኩነታት ለበዳ መሊሱ ክጋደድን ተኽእሎ ኣሎ ድማ ኢላ።

እዞም ሓደስቲ መምርሒታት፡ ካብቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ግብሪ ዝውዕሉ ኮይኖም፡ ንቅድሚ እቲ ዕለት ዘለዉ ፍጻሜታት ዝጸሉ ኣይኮነን ክብል ኤኒሮስ ገሊጹ። እዚ ማለት ድማ፡ ቅድሚ 14 ለካቲት ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጒዕዞ ክገብሩ ዝወጠኑ ሰባት፡ በዚ ውሳነ ኣይክጽለዉን እዮም።

እዚ መምርሒታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ግዜያዊ ቦርድ ዳይረክተራት ክቐውም እዩ። ነዚ ሕጊ ዝጠሓሱ ድማ፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ወይ ውን ንግዳዊ ንጥፈታቶም ከም ዝቋረጽ ክኸውን እዩ።

ኩባንያታት መጋዓዝያ፡ ነዚ ሓድሽ መምርሒ ብህጹጽ ተቐቢለን ኣብ ግብሪ ከውዕላ ኣገዳሲ እዩ ክብል ኤኒሮስ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com