Saturday , May 4 2024

መንግስቲ፥ በዓልመን ከም ዝድውሎም ዘይፍለጡ ጻውዒታት ኣብ 2022 ክውገዱ እዮም።

ናይ ተሌፎን ካርዲታት ጻውዒት መንነቶም ዘይፍለጡ ሰባት ካብ ዓመተ 2022 ንደሓር ክውገዱ ከም ዝግበር ወግዓዊ መርመራ መንግስቲ ኣፍሊጡ። “እዚ ኣገዳሲ ኣገባብ መቃለሲ ገበን እዩ” ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሚካኤል ዳምፐሪ ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢራ። ገበናውያን ዝበዝሕ እዋን ስም ኣልቦ ጻውዒታት ብምፍጻም ከም ዘምልጡ ዝፍለጥ ኮይኑ ሰብ ብቐጥታ ምስ ዝድውላ ሞባይል ዝተሓሓዘሉ ኣገባብ ምፍጣር ንፖሊስ ከም ዘገድሶም መንግስቲ ዝሸሞ መርማሪ ሲገርድ ሁማን ሓቢሩ’ሎ።

ስለዚ ድማ ገለ ክፉላት ካርድ ዝገዝኡ ሰባት ካብ ባሕቲ ጥሪ 2022 ንደሓር ስሞምን መንነቶምን ከመዝግቡ ክግበር እዩ። እቶም ስም ኣልቦ ዝተኸፍለ ካርድ ዘለዎም እምበኣር ክሳብ ባሕቲ ሓምለ ክምዝገቡ ጻውዒት ቀሪቡ’ሎ። ብዙሓት ሃገራት ከምዚ ኣገባብ ብሕጊ ካብ ዝእግዳ ነዊሕ ምግባረን እቲ ዝእገድ ውልቃዊ ናጽነት እውን ኣብ ግምት ዝኣቱ ዘይምዃኑ ድማ ተሓቢሩ’ሎ። ሓደ ካብቲ ተቓውሞ ዘልዓለ ነጥቢ መርመርቲ ህጋዜጠኛታት ካልእ ሰብ ብምምሳል ምስ ሰባት ናይ ምዕላል ኣገዳሲ ረብሓ ይህቦም ኔሩ ዝብል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com