Thursday , May 2 2024

መንግስቲ ሽወደን፡ ሓደስቲ መምርሒታት ኣመሓላሊፉ

መንግስቲ ሽወደን፡ ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪንን ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ኣማንዳ ሊንድ ሎሚ ኣብ ዘየድዎ ጋዜጣዊ መግሊጺ፡ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ብሰንኪ ተለዋዋጢ ባህርያት ናይዚ ቫይረስ፡ መጻኢ ናይዚ ኩነታት ለበዳ ክንግምግም ኣይከኣልናን ኣለና። ኣቐዲምና ስጉምታት ክንወስድ እንተዘይ ክኢልና፡ እቲ ኩነታት ብቕጽበት ናይ ምቕያር ተኽእሎታት ክህልዎ እዩ ክብል፡ ሎቪን፡ ሓቢሩ።

መሸጣ ኣልኮሆል፡ ካብ ሰዓት 8 ናይ ምሸት ክልኩል ከምዝኾነ ዝሕብር ቀይድታት፡ ንተወሳኺ ሓደ ሰሙን ከምዝናዋሕ ተገይሩ ኣሎ። ጽባሕ ድማ ንዝያዳ ምንዋሕ ናይዚ ቀይዲ ንምሕታት፡ መንግስቲ፡ ጠለብ ከቕርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ናይዚ ቀይዲ ምንዋሕ፡ ንቤት መግብታት፡ ከቢድ ምዃኑ ዝፍለጥ እዃ እንተኾነ፡ ምስ ለበዳ ብምንጽጻር ግን ኣገዳሲ ውሳነ እዩ ክብል ሎቬን ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ፡ ነቶም ኣብ ገዛ ኮይኖም ክሰርሑ ዝኽእሉ ሰባት፡ እቲ መምርሒ ክሳብ ግንቦት 31 ክጸንሕ ወሲኑ ኣሎ። እዚ ዓይነት ኣገባብ፡ ንኹሎም፡ ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ዝጠቅም እዩ ክብል ሎቬን ገሊጹ።

ምምሕዳራት ብወገነን፡ ዘየድሊ ንጥፈታት ዝካየደሉ ቦታታት ክሳብ ዕለት 21/02/2021 ክዓጽዋ፡ መንግስቲ፡ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ካብዞም ቀይድታት፡ እቶም ናይ ህጻናትን ናእሽቱ መንእሰያትን፡ ንጥፈታት ክፉታት ክኾኑ ብምሕባር፡ ምምሕዳራት፡ ነዞም ንጥፈታት ክፉታት ክገብራ ጸዊዑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com