Saturday , May 4 2024

መንግስቲ ሽወደን፡ ብሰንኪ ጸረ ኮሮና ክታበት ከጋጥም ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋ፡ ካሕሳ ክኸፍል ምዃኑ ሓቢሩ

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ብሰንኪ ፍርያት ኣሜሪካዊት ኩባንያ ሞደርና ዝኾነ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰባት ከጋጥም ዝክእል ኣሉታዊ ጽልዋ ኣመልኪቱ፡ እቲ ዝግባእ ካሕሳ ክኸፍል ምዃኑ ኣረጋጊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኩባንያ ሞደርና፡ ዛጊት ኣብ መስርሕ ሽወደናዊ ናይ ሕክምና መድሕን ስለዘየላ እዩ።

ንጉዳይ ናይ ሕክምናዊ መድሕን፡ ኩባንያ ሞደርና ብዝምልከት፡ ብዙሓት ምምሕዳራት፡ ፍርያት ናይታ ኩባንያ ዝኾነ ጸረ ኮሮና ክታበት ንኽህባ ስግኣት ከምዘለወን ክገልጻ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ክሳብ ንጉዳይ  ናይ ሕክምናዊ መድሕን፡ ኩባንያ ሞደርና ብዝምልከት፡ ብባይቶ ሽወደን ውሳኔ ዝወሃብ፡ መንግስቲ፡ ንኹሉ ወጻኢታት ክሽፍኖ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com