Thursday , May 2 2024

መንግስቲ ሽወደን፡ ንሓዘንተኛታት ዝምልከት ፍሉይ ናይ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ መምርሒ ወሲኑ

መንግስቲ ሽወደን፡ ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ኣቢላ ንመጠን ብዝሒ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ካብ 8 ሰባት ክበዝሕ ከምዘይብሉ ዝገልጽ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር።

ቤተ ክርስትያን ሽወደን ብወገኑ፡ ንብዝሒ መዋቲ ክፋንዉ ዝእከቡ ሓዘንተኛታት፡ ንጥምቀትን መርዓትታትን ብዝምልከት፡ እቲ ብዝሒ ናብ 20 ሰባት ክብ ንኽብል ጠለብ ኣቕሪቡ ምንባሩ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ። መንግስቲ ሽወደን፡ ብመንገዲ ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን፡ ኣማንዳ ሊንድ፡ ኣቢሉ፡ ንጉዳይ ሓዘንተኛታት ናይ ኩሎም ሃይማኖታት ብዝምልከት፡ ክሳብ 20 ሰባት ክተኣኻኸቡ ከም ዘፍቀደ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com