Monday , May 6 2024

መንግስቲ ሽወደን፡ ከፊላዊ ምዕጻው (delvis låsning) ክገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ

መንግስቲ ሽወደን፡ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና፡ ከየጋጥም ስግኣት ከምዘለዎ ገሊጹ። ነዚ ስግኣት ምርኩስ ብምግባር፡ ከፊላዊ ምዕጻው ከተግብር ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። እዚ ከፊላዊ ናይ ምዕጻው መስርሕ፡ ንንግዳውያን መደበራት፡ ቤት ምግብታት፡ ኣደራሻትን ናይ ስፖርት ቦታታት ዝምልከት እዩ ክትብል፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።

ገለ ክፋል ሽወደን ምዕጻው ውን ኣገዳሲ ክኸውን እዩ ክትብል እታ ሚኒስተር ወሲኻ ገሊጻ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ንለበዳ ክሮና ብዝምልከት ተዋሂብዎ ዘሎ ስልጣን ምርኩስ ብምግባር፡ ሓሙሽተ ሓደስቲ እማመታት ንዘተ ከቕርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቶም ሓሙሽተ እማመታት ድማ ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ፡

  • ናይ ንግዲ ቦታታት፡ ቤት ምግብታትን ስፖርታዊ ኣደራሻት ምዕጻው
  • ናብ ውሱናት ቦታታት ንምብጻሕ፡ ቀይድታት ምትእትታው
  • ስራሕ ናይ ለይታዊ ትልሂት፡ መካነ እንስሳታትን መዘናግዒ ቦታታት ብዝምልከት ቀይድታት ምትእትታው
  • ስራሕ ናይ ቤተ መዘክራትን ባህላዊ ምርኢታትን ብዝምልከት ቀይድታት ምትእትታው
  • ሓድሽ ናይ ምትእኽኻብ ቀይድታት ምትእትታው። ዝለዓለ ቁጽሪ ምትእኽኻብ ክሳብ 8 ሰባት ክኸውን

መንግስቲ ሽወደን፡ ነዚ ሓድሽ መምርሒታት ንምውሳን፡ ክሳብ ዕለት 26/02/2021 ዘሎ ግዜ፡ ካብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ርእይቶ ይጽበ ምህላዉን፡ ካብ ዕለት 11/02/2021 ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ይብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com