Saturday , May 4 2024

መንግስቲ ሽወደን ዝመጽእ ዓመት ፕሮግራም ኤክስራ ሸንስትን (extratjanst) ኢንትሮዳክሽን ጆብ (introdutionsjobb) ክምዝጅምሮ ሓቢሩ!!

መንግስቲ ሽወደን 1,3 ቢልዮን ክሮነር ባጀት ን ስራሕ ብምስላዕ  ልዕሊ 400 ሚልዮን ክሮነር ኣብ extratjanst ን introdutionsjobb ወፍሪ ከምዝገብር ይሕብር። እዚ ድማ ዓቢ መቀይሮ ድሕሪ ምንካይ ባጀት ኣብ 2019 ምኻኑ ናይ ሰራሕ ሚኒስተር ዝኮነት ኤፋ ኖርድማን ትገልጽ። ብተወሳኪ ንሳ ከምዝገለጸቶ ዝሓለፈ ዓመት ተቀባልነት ረኪቡ ዝጸደቐ ባጀት ሰልፊ ሞደራት ን ክሪስቲኣን ደሞክራት ንዉጥን ትምርቲ ምምዕባል ኣብ 2019 ተታሑዙ ዝነበረ ብ ኣሉታዊ ጸሊዎዩ። ብተወሳኪ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ድማ እዚ ዝስዕብ ዉጥን ን ዓመተ 2020 ከምዝተመደበ ትሕብር ።

ብ ቀዳምነት ኣስታት 427 ሚልዮን ክሮነር ን extratjanst ን introdutionsjobb፡ካብዚ ተረባሕቱ ዝኮኑ ድማ ኣስታት 2200 ሰባት ክኾኑ ትጽቢት ይግበር ። ገለ ካብዚኦም ትጽቢት ዝግበረሎም  ሓደስቲ ተጣየስቲን ኣብ ሽወደን ካብ ስራሕ ዓለም ንነዊሕ ግዜ ሪሒቖም ኽኾኑ እዮም።  ከም ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣስታት 281 ሚልዮን ክሮነር ንትምርቲ ወይ ስልጠናታት ብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝዳሎ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ኣስታት 1000 ዕድላት ኪከፍትዩ።

ስላሳይ ደረጃ ድማ ኣስታት 220 ሚልዮን ክሮነር ኮይኑ ንምምዕባል ዓቅሚ ሰብ ተመዲቡ ኣሎ፡ እዚ ድማ ኣስታት 93 000 ሰባት ተጠቀምቲ ክኾኑ እዮም። እዚ ድማ ብፍላይ ነቶም ሓጺር ናይ ትምርቲ ደረጃ ዘለዎም ዘርብሕ ኪከውን እዩ። ሓደስቲ መማህራዉን ንምስልጣን ዝዓለመዩ።  ራብዓይ ድማ ኣስታት 84 ሚልዮን ክሮነር ን  እግሪ መትከሊ ሓደሽቲ መጻእቲ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣስታት 194 ሚልዮን ክሮነር ድማ ደገፍ ን ኣማጸቲን ኣዛመድትን ስራሕ ዝውዕል እዩ።

 መንግስቲ ኣብዚ አዋን ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ስርሑ ምስትኽኻላት ከምዝገበረን ግን እቲ ሞዕባለ ተተቀይሩ ምስ መሻርክትና ኪንመያየጥ ኢና ትብል ናይ ሽወደን ገንዘብ ሚኒስተር ንዝቀረበላ ሕቶ ብዛዕባ እዚ ባጀት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com