Monday , May 6 2024

መንግስቲ ን ኮተቴ ገበነኛታት ኣመልኪቱ ሓድሽ ማእሰርቲ ንምህናጽ ዘቕረቦ ሓሳብ ተነቒፉ

Credit: Johan Nilsson

መንግስትን ሰልፊ ዲሞክራትናን ንኮተቴ ገበነኛታት ኣመልኪቶም ፍሉይ ክንፊ ቤት ማእሰርቲ ንምቛም ዘቕረብዎ እማመ ካብ ብዝተፈላለዩ ወገናት ይንቀፍ ኣሎ። ንሰራሕተኛታት ኣገልግሎታት ቤት ማእሰርትን ኣመክሮን ዝውክል ማሕበር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ትካል ዘሎ ክቱር ሕጽረት ቦታን ዓቕሚ ሰብን ከይኣክል ሓድሽ ስርዓተ ቤት ማእሰርቲ ምህናጽ ኣጸጋሚ’ዩ ክብል ነቲ ሓሳብ ነቒፉ’ሎ። ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት ህጻናት፡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምዕጻው ጌጋ ምዃኑ እኳ እንተገለጹ፡ መንግስቲ ግን ነቲ እማመ ቅኑዕ ምዃኑ ናይ መክላኸሊ ምጒት ኣቕሪቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com