Monday , May 6 2024

መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ዝተረረ ቀይድታት ኮሮና የተኣታቱ

መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ናብቲ ሃገር እናተመላለሱ ዝሰርሑ ውልቀሰባት፡ ዝተረረ ቀይድታት ኮሮና ኣጽኒዑ። እዞም ካብ ካልእ ሃገር ናብ ዴኒማርክ እናተመላለሱ ዝሰርሑ ውልቀሰባት፡ ንሓደ ሰሙን ተገልግል፡ ኣሉታዊ ውጽኢት ኮሮና ዝሓዘት ምስክር ወረቐት ሒዞም ይመላለሱ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ካብ ረቡዕ ዕለት 17/02/2021 ጀሚሩ ግን፡ ዕድመ ናይታ ምስክር ወረቐት፡ ንሰለስተ መዓልታት ጥራይ ዘገልግል ክኸውን ምዃኑ፡ መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ነቶም ናብቲ ሃገር ክኣትዉ ዝደልዩ በጻሕቲ ውን ዝምልከቶም ምዃኑ ብተወሳኺ ተሓቢሩ ኣሎ።

በዚ ጉዳይ ክጽለዉ ዝኽእሉ ድማ፡ እቶም ካብ ስኮነ፡ ሃላንድ፡ ብሊኪንየን ጀርማን ሽሊስቪግ ሆልስተን ናብ ሃገረ ዴኒማርክ እናተመላለሱ ዝሰርሑ ዜጋታት ከም ዝኾኑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com