Thursday , May 2 2024

መጥቃዕቲ ሳይበር ኣብ ኣገልግሎት ሲነማ ኣሉታዊ ተጽዕኖኡ ኣንቢሩ

Credit: Anders Wiklund/TT

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ስንበት ኣብ ሽወደን ኣብ ዝርከብ ትካል ሶፍትዌርን ወሃቢ ማእከል ኣገልግሎት ዳታን ሓበሬታን ቲየቶቭሪ ዝኾነ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ራንሶምዌር” ሓያሎ ኩባንያታት ኣብ ጸገም ምህላወን ተገሊጹ። ሓደ ካብቶም ዝተጎድኡ ትካላት ንግዲ ዝኾነ ሰንሰለት ሲነማ ፊልምስታደን፡ ብኢንተርነት ኣቢሉ ምዝገባ ከካይድ ይዂን ካርድ ማሽናቱ ክጥቀም ብዘይምኽኣሉ፡ ክፍሊት ስዊሽ ክጥቀም ምግዳዱ ተፈሊጡ። ገለ ዞባዊ ምምሕዳራትን ከተማታትን እውን በዚ ብኣሉታ ተጸልየን ምህላወን ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com