Friday , May 3 2024

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፊንላንድ ጌጋ ከም ዝፈጸመ ተኣሚኑ

HASSE HOLMBERG / TT

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማሪ ራንታነን (ፒኤስ) ኣብ ሩስያ 10 ሚልዮን ሕጋዊ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝሃበቶ ሓበሬታ ጌጋ ምዃኑ ተኣሚና። “ናይዚ ጌጋ ምሉእ ሓላፍነት ዝወስድ ኣነ እየ። ሩስያ ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ወጻእተኛታት ኣለዋ፥ ካብዚኦም እቶም ክሳብ ክልተ ሚልዮን ዝግመቱ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብታ ሃገር ዝቕመጡ እዮም” ክብል እየ ደልየ ነይረ ክትብል ዝሓለፈ ረቡዕ ምስ YLE ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ኣነጺራ። ራንታነን ዝሓለፈ ሰሉስ ዝሃበቶ እዚ ሓበሬታ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ካብ ሩስያ ናብ ፊንላንድ ክውሕዙ ከምዝኽእሉ ንምምልካት ዝዓለመ ይመስል። ህዝባዊ ፈነወ YLE ነቲ ካብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዝቐረበ ክሲ ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምብራቓዊ ፊንላንድ ዳይረክተር መጽናዕቲ ጆኒ ቪርኩነን ዝሓለፈ ረቡዕ ንዋይኤል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሩስያ ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ወጻእተኛታት ዝነብሩላ ኮይና፡ መብዛሕትኦም ብሕጋዊ መንገዲ ኣብታ ሃገር ዝቕመጡ እዮም። ኣብ ኢንስቲትዩት ኣህጉራዊ ጉዳያት ፊንላንድ ተመራማሪት ጁሲ ላሲላ፡ ኣብ ሩስያ ንዝርከቡ ጠቕላላ ቁጽሪ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ጠቒሳ ብሓፈሻ ቊጽሪ ናይቶም ናብ ፊንላንድ ክኣትዉ ዝደልዩ ሰባት ምግማታ ግጒይ ኣገባብ እዩ ዝብል ርእይቶ ኣለዎ። “ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት’ውን እንተኾነ ኩሉ ኣብ ሩስያ ከም ስደተኛ ዝቑጸር ሰብ ናብ ፊንላንድ ካኣቱ ይደሊ እዩ ዝብል ግምት የብለይን። እዚ ኣዝዩ ክልሰ-ሓሳባዊ ስእሊ’ዩ” ክብል ምስቲ ህዝባዊ ፈነወ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ተንቲኑ፡፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ጉጅለ ህዝቢ ናብ ዶብ ምውፋር ብሩስያ ርኡይ ናይ ጽልዋ ወፍሪ ከም ዝሓትት ድማ ኣጉሊሑ። መንግስቲ ፊንላንድ፡ ኣብ ዶብ ፊንላንድን ሩስያን፡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ብምምጻእ፡ ንሃገራዊ ድሕነት ሓደጋ ክኸውን ይኽእል እዩ ብምባል፡ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ዝርከቡ ኩሎም መሳገሪ ዶባት ዓጽያ’ላ። ሩስያ ነዚ ክሲ ፊንላንድ ነጺጋቶ ኣላ ብመሰረት ጸብጻብ “ሄልሲንኪ ታይምስ”።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com