Thursday , May 2 2024

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ “ቱርኪ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ኣባልነት ኔቶ ከተጽድቕ ትኽእል እያ”።

Credit: Henrik Montgomery/TT

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም፡ ኣንካራ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ሽወደን ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ከተጽድቕ ከምእትኽእል ካብ ቱርካዊ መዘንኡ ሃካን ፊዳን መረጋገጺ ከም ዝረኸበ ገሊጹ። ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃንጋሪ ፔተር ስዚጃርቶ ውን ከምዝተዘራረበ ዝሓበረ ቢልስትሮም፡ ሃንጋሪ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽዳቕ ናይ መወዳእታ ኣባል ሃገር ኔቶ ከም ዘይትኸውን ዝኣተወትሉ መብጽዓ ክሳብ ሕጂ ከምዘሎ ወሲኹ ኣመልኪቱ። እቲ ሕጋዊ ወረቓቕቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኢድ ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ከም ዝርከብ፥ ዝመጽእ ረቡዕ ዳግማይ ክጋብኡ ምዃኖም፡ እንተኾነ ግና ሽዑ ክዛተዩሉ ድዮም ኣይዛተዩን ከምዘይፈልጥ ቢልስትሮም ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com