Friday , May 3 2024

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ “ጸብጻባት መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ”

Credit: Jonas Ekströmer/TT

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም፡ መንግስቱ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ክለዝብ ኣብ ዝጽውዓሉ ዘሎ እዋን፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ሚሳይል ምፍጻማ ምስምዑ ”ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦ” ገሊጹ። ቢልስትሮም ዝሓለፈ ዓርቢ ንግሆ ንኣገልግሎት ዜና ኤስቪቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እዚ ጒዳይ መንግስቲ ኣዝዩ ብዕቱብ ዝርእዮን ብቐረባ እንከታተሎን እዩ” ኢሉ። “ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትህልላኽን ነቲ ኲነታት ዘጋድድ ስጒምትን ከብቅዕ ኢና ንደሊ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ። እዚ እናኾነ ኤጀንሲ ማእከል ምዕቃብ ስነ-ልቦናዊ ሽወደን፡ ምስቲ ኣብ ማልሞ ዝካየድ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ብዝተኣሳሰር ስግኣት ስኑዕ ሓበሬታ ክውስኽ ምዃኑ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ’ሎ፡፡ እዚ ምስናዕ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ወጥርን ዘይምትእምማንን ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ እውን ኣስሚሩሉ። “እስላማውያን ጉጅለታት ናይ ሓሶት ሓበሬታን ፕሮፖጋንዳን ንምዝርጋሕ ክጽዕሩ እዮም ኢልካ ምግማት ምኽንያታዊ እዩ” ክብል ሓላፊ ርክባት ናይቲ ትካል ሚካኤል ኦስትሉንድ ገሊጹ’ሎ። እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሰላምዊ ህዝቢ ቓዛ ብሰንኪ ዝፈጸመቶ ህልቂት ኣብ ዩሮቪዥን ምስታፋ ኣዘራራቢ ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com