Saturday , May 4 2024

ማሕበራት ሰራሕተኛታት ኢንዱስትሪ ዝለዓለ መጠን ወሰኽ ደሞዝ የቕርባ

Credit: Björn Larsson Rosvall/TT

ምስ ኣስራሕቲ ክካየድ ቅድሚ ተተሊሙ ዘሎ ሓባራዊ ልዝብ ደሞዝ፡ ማሕበራት ኢንዱስትሪ ሽወደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብማእከላይ ገምጋም ዝተገብረ ናይ ኣስታት ክልተ ሚእታዊት ወሰኽ ደሞዝ ከምዘይሰማምዓሉ ገሊጸን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ን 2023-2024 ኣብ ዝተገብረ ናይ ሓባር ልዝብን ስምምዕን፡ ወከልቲ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ኢንዱስትሪ 4.4% ድሕሪ ምሕታተን፡ 3.7% ወሰኽ ደሞዝ ከምዘረጋገጻን ንዝመጽእ ዓመት ድማ ዳግማይ ብ ተመሳሳሊ ደረጃ ክዓቢ ከም ዝደልያ እየን ዝገልጻ። “ናብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዝነበርናሉ ደረጃ ፈጺምና ኣይንወርድን ኢና” ክትብል ኣደ መንበር ኢ.ኤፍ. ኣተሓሳሲባ’ላ። እዚ እናኾነ ክዳውንትን ቦርሳታትን ትካል መብጽሒ መግቢ ፉዶራ፡ ገበን ዝፍጽሙ ሰባት ይጥቀሙሉ ምህላዎም መርትዖታት ከም ዘለዎ፡ መርመራ ፒ4 ዮተበሪ ገሊጹ። ኣብቲ ከባቢ እትርከብ መደበር ሬድዮ ሽወደን፡ ንሓያሎ ውሳነታት ቤት ፍርዲ ምምርማራ እውን ተፈሊጡ። ኣብ ቦራስ ተኹሲ ዝፈጸመ ሰብ ናይ ፉዶራ ክዳውንቲ ተኸዲኑ ምንባሩ፥ ኣብ 2022 ኣብ ኦረብሮ ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ፋሲካ ድማ ኣብ ቦርሳታት ናይቲ ኩባንያ ኣእማን ተሓቢኡ ምንባሩ እቲ መርመራ ወሲኹ ጸብጺቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com